Friday , April 26 2024
Sudan's new currency sits behind a window at the central bank in Khartoum, Sudan, Sunday July 24, 2011. The Sudanese government began circulating the new Sudanese pound bank-notes on Sunday as a precautionary measure following the loss of oil revenues resulting from South Sudan's independence, according to Sudan's President Omar al-Bashir. South Sudan became officially independent from the north on July 9, breaking away after more than 50-years of on-and-off war. (AP Photo/Abd Raouf)

ሱዳን: ዋጋ ዶላር ብዕጽፊታት ይውስኽ

ማእክላይ ባንክ ሱዳን ን ባጤራ እታ ሃገር ዋጋኡ ከም ዝሓስር ብምግባር ምስራዝ ዕዳ ክግበረላን ወፍሪ ክትስሕብን ትጽዕር ምህላዋ ተገሊጹ። ባንክ እታ ሃገር ንዕላዊን ናይ ጸሊን ዕዳጋ ሸርፊን ዶላር ማዕረ ከም ዝኸውን ጌሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ዋጋ ሓደ ዶላር 370 ፓውንድ ሱዳን ኮይኑ’ሎ። ዓመታዊ ዝቕባበ ሱዳን ብ 300% ኣብ ዓለምና ዝዓበየ እዩ ዝበለ ድምጺ ኣመሪካ፥ እዚ ድማ ኣብታ ሃገር በብግዜኡ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ናዕቢ የስዕብ ኣሎ ኢሉ።

እዚ ምሕሳር ሃገራዊ ባጤራ ዝተገብረሉ ምኽንያት ወፍሪ ንምስሓብ፥ ኣብ ሰደድን ሸመታን ከኣ ዘድሊ ቊጽጽር ንምግባር እዩ ክብል መንግስቲ ሱዳን ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ካርቱም ዝቕመጥ ክኢላ ስነቚጠባ ኣቡበከር ዑመር ነቲ ውሳነ ብሓጎስ ከም እተቐበለ ሓቢሩ። ንሱ እዚ ውሳነ ቊጠባ ሱዳን ንምሕዋይ ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ ኢሉ።

ዕዳ ወጻኢ ሱዳን ኣብ 2020 ኣስታት 70 ቢልዮን ዶላር፥ ሕጽረት ባጀት ከኣ 1.5 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ ጸብጻባት ስነ ቊጠባ የመልክቱ። ብፍላይ ዝቕባበ 300% ምሕላፉን ከቢድ ምንቊልቋል ዋጋ ባጤራ ሱዳን ተራእዩን ኣሎ።

ከምኒ ዋሊድ ኣኑር ዝበልህ ክኢላታት ቊጠባ ሱዳን እዚ ምሕሳር ዋጋ ፓውንድ ሓደገኛ ውሳነ እዩ፥ ንህዝብን ቊጠባን ሱዳን ብኣሉታ ክጸሉ ይኽእል እዩ ክብሉ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ። ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይን ታሕተዋይን ጽፍሒ መነባብሮ ዘለዉ ብኸቢድ ክጽለዉ እዮም ኢሎም።

ኣቡበከር መሓመድ ግና ቊጠባ ዛጊት ብዕዳጋ ዝውሰነሉ ኩነታት ስለ ዘይበጽሐ እዚ ለውጢ ኣብ ማእከላይ እቶት ዘለዎም ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ዝተሓተ እዩ ዝብል ገምጋም እዩ ዘለዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com