Friday , May 17 2024

ዜና

ኣብ መደበራት ንግዲ ዝተዶከና ቤት ምግብታት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሓንቲ ጣውላ፡ ከአንግዳ መምርሒ ወጺኡ

ናይ ገዛእ ርእሰን ኣፍደገ ዘይብለን ኣብ ከም በዓል ኢክያ ዝኣመሰላ መደበራት ንግዲ ዝተዶከና ቤት ምግብታት፡ ካብ ዕለት 01/03/2021 ጀምረን፡ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ጣውላ ከአንግዳ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን መምርሒ ከመሓላልፍ ምዃኑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣቐዲሙ ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። ኣብቲ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝቐርብ መምርሒታት፡ ቤት ምግብታትን ባራትን ኣብ ሰዓት 8፡30 ድ.ቐ. ክዓጽዋ ዝብል እዩ። …

Read More »

ሱዳን፡ ን184 ሽሕ ተፈናቐልቲ ህጹጽ ሓገዝ መግብን መጽለልን ትሓትት

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዳርፎር ኣብ ዝተኻየደ ኲናት እተፈናቐሉ ልዕሊ 180 ሽሕ ሰባት ህጹጽ ናይ መግብን መጽለልን ረድኤት ከም ዘድልዮም፡ ማእከል ኣህጒራዊ ምክትታል ተፈናቐልቲ (IDMC) ሓቢሩ። መንግስቲ ሱዳን፡ ምስ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምሽራኽ ነዞም ተፈናቐልቲ ዘድሊ ናይ መግብን መጽለልን ረድኤት ንምቕራብን ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ንምትግባርን ክሰርሕ፡ እዚ ኣብ ስዊትዘርላንድ ዝመደብሩ ውድብ ጸዊዑ’ሎ። ብመሰረት እቲ ዝኸተሞ ውዕል …

Read More »

ምምሕዳር ያቭለቦሪ (Gävleborg)፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ ክትጅምር እያ

ኣብ ምምሕዳር ያቭለቦሪ ዝርከባ ካልኣይን ላዕለዋይን ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ድሕሪ ክረምታዊ ዕረፍቲ፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ ክጅምራ ምዃነን እቲ ምምሕዳር ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ዕላማ፡ ነቲ ድሕሪ ክረምታዊ ዕረፍቲ ከጋጥም ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ እቲ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ፡ ኣብ የስትሪክላንድ (Gästrikland) ክሳብ 10ይ ሰሙን ዝጸንሕ ኮይኑ ኣብ ሄልሲንላንድ (Hälsingland) ድማ …

Read More »

ሃገረ ኖርወይ፡ ዶባ ሰጊሮም ንዝሰርሑ፡ ዶባታት ትኸፍት

ዶባት ሃገረ ኖርወይ፡ ካብ ዕለት 28/01/2021 ጀሚሩ ከምዝዓጸወት ይዝከር። እቶም በዚ ውሳኔ ቀንዲ ዝተጎድኡ እንተድኣ ሃልዮም ድማ፡ እቶም ካብ ሽወደንን ፊንላንድን ተበጊሶም ዶብ ኖርወይ ሰጊሮም ኣብታ ሃገር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ምዃኖም ይፍለጥ። ምኽንያቱ፡ ደሞዞምን ናይ መድሕን ኣገልግሎትን ክረኽቡ ብዘይ ምኽኣሎም። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኤርና ሶልበርግ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብቴሌፎን ከም ዝተዘራረበን ብዛዕባ …

Read More »

ኣብ ዶብ መክሲኮ ዝጸንሑ ሓተትቲ ዕቚባ ንኣመሪካ ይኣትዉ

እቶም ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ተዓጊቶም፡ ትእምርቲ ፖሊሲ ጸረ ስደተኛታት ትራምፕ ኮይኖም ዝጸንሑ ሓተትቲ ዕቚባ ትማሊ ሓሙስ ናብ ኣመሪካ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ዶብ ኣመሪካ ሕሱም ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ ስደተኛታት ኣቓልቦ ክስሕቡ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሽግሮም ንምውዳእ እዚ ምእታው ምጅማሩ ድማ ተገሊጹ። ብመሰረት ኣህጒራዊ ውድብ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኣብ ግዜያዊ መዕቈቢ ማታሞሮስ (ጥቓ ብራውንስቪል ቴክሳስ) ዝነበሩ ቀዳሞት 27 ሰባት …

Read More »

ካስተር ሰመንያ፡ ጥርዓን ተቕርብ።

ሻምፕዮን ጒያ 800 ሜትሮ፡ ካስተር ሰመንያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጐየይቲ ደቀንስትዮ ዝተወሰነ መጠን ነዝዒ ቴስተስትሮን ብምቅዋም ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ጥርዓን ምቕራባ ተገሊጹ። እዛ 30 ዝዕድሜኣ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጐያዪት፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ናብ ላዕለዋይ ቤ ትፍርዲ ፈደራል ስዊትዘርላንድ ዘቕረበቶ ጥርዓን ውዱቕ እኳ እንተተገብረ፡ ቀጺሉ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ውድድር ናይ ሻምፕዮን ማዕርጋ ንምዕቃብ ተስፋኣ ምሉእ ምዃኑ እያ ትገልጽ። …

Read More »

ኣመሪካ፡ ንቕትለት ካሾግጂ ዝምልከት ጸብጻብ ክተቕርብ ምዃና ሓቢራ

ኣመሪካ፡ ጸብጻብ መርመራ ናይቲ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትለ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾግጂ ክተቕርብ ምዃና ሓቢራ። እዚ ሰነድ፡ ንወራስ ዓራት ስዑዲ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ዝውንጅል ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ሰፊኑ ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢራ። ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ጸብጻብ ከም ዘንበቦን ንንጉስ ስዑዲ ዓረብ ከዘራርቦ ምዃኑን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ባይደን ነቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ፈጢራቶ ዝጸንሐት ልዕሊ ዓቐን ጥቡቕ …

Read More »

ደኒማርክ፡ ልምምድ ሓባራዊ (ብብዝሒ) ክታበት ከተካይድ እያ

ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ደኒማርክ፡ ልምምድ ሓባራዊ (ብብዝሒ) ክታበት ከተካይድ ምዃናን ኣብዚ መስርሕ ድማ 35 ሽሕ ሰባት ክኽተቡ እዮም ዝበለት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ደኒማርክ፡ ሜቲ ፍሬድሬቕስን፡ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ንዘይተጠቀማሉ ጸረ ኮሮና ክታበት እንተድኣ ሃልዩወን፡ ብጽቡቕ ዋጋ ክንገዝእ ንኽእል ኢና ክትብል ኣብ ኦክሰንሃለን፡ ኮፐንሃገን፡ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከምዝገለጸት ተፈሊጡ። እዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ፡ ከምቲ ዝድለ እንተከይዱ፡ ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን 5 ሽሕ ሰባት፡ ኣብ …

Read More »

ካብቲ ዝተመደበ መጠን ብዝሒ ክታበት፡ ሓደ ሲሶ፡ ጥራይ ከምዝበጸሐ ተሓቢሩ

ምምሕዳራት ሽወደን፡ መስርሕ ጸረ ኮሮና ክታበት ከካይዳ ኣብ ጽቡቕ ምድላዋት እኳ እንተሃለዋ፡ እቲ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ክታበት ክረኽባ ዘይምኽኣለን እዩ ክብል በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። መስርሕ ምርኽኻብ ክታበት፡ ንመስርሕ ክትባት ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ከደናጒዮ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣቢሉ፡ ምምሕዳራት ሽወደን ኣብ ቀዳማይ …

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ: ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስም ከተምኦም ብግቡእ ንምድማጽ ይጋደሉ

ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውይና ነታ ከም ብሓድሽ ዝተሰየመት ከተማ ፖርት ኤሊዛቤይ ነበር ንምድማጽ ይጋደሉ ምህላዎም ተገሊጹ። እታ ከተማ ስማ ካብ ፖርት ኤሊዛቤት ናብ Gqeberha ከም ዝቐየረት ተፈሊጡ። እዚ ስማ ካብ ቋንቋ ክሶሳ ዝተረኽበ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቋንቋ ክሶሳ ሓደ ካብ 11 ቋንቋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ነቲ ቋንቋ ዘይመልኩ ሰባት ከድምጽዎ ዘሸግር ድምጺታት ከም ዘለዎ ይንገረሉ። ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ዝተዘርግሐ ናይ ትዊተር መልእኽቲታት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com