Thursday , May 2 2024

ደኒማርክ፡ ልምምድ ሓባራዊ (ብብዝሒ) ክታበት ከተካይድ እያ

ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ደኒማርክ፡ ልምምድ ሓባራዊ (ብብዝሒ) ክታበት ከተካይድ ምዃናን ኣብዚ መስርሕ ድማ 35 ሽሕ ሰባት ክኽተቡ እዮም ዝበለት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ደኒማርክ፡ ሜቲ ፍሬድሬቕስን፡ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ንዘይተጠቀማሉ ጸረ ኮሮና ክታበት እንተድኣ ሃልዩወን፡ ብጽቡቕ ዋጋ ክንገዝእ ንኽእል ኢና ክትብል ኣብ ኦክሰንሃለን፡ ኮፐንሃገን፡ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከምዝገለጸት ተፈሊጡ።

እዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ፡ ከምቲ ዝድለ እንተከይዱ፡ ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን 5 ሽሕ ሰባት፡ ኣብ ዝተረፈ ክፍሊ’ታ ሃገር ድማ 34,680 ሰባት ክኽተቡ ምዃኖም ተሌቪዥን ደኒማርክ TV2 ኣመሓላሊፉ።

እዚ መደብ’ዚ ንልምምድ ዝግበር ዘሎ ኮይኑ፡ ከጋጥሙና ዝኽእሉ ጸገማት ኣለሊና ኣብ ቀጻሊ ብደረጃ መላእ ሃገር ክንሰርሕ ከኽእለና እዩ ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ገሊጻ።

ናይ ሎሚ ልምምድ ሓባራዊ ክታበት፡ ክሳብ ሰዓት 10 ድ.ቐ. ቀጺሉ ክውዕል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com