Saturday , April 27 2024

ምምሕዳር ያቭለቦሪ (Gävleborg)፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ ክትጅምር እያ

ኣብ ምምሕዳር ያቭለቦሪ ዝርከባ ካልኣይን ላዕለዋይን ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ድሕሪ ክረምታዊ ዕረፍቲ፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ ክጅምራ ምዃነን እቲ ምምሕዳር ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ዝኾነሉ ዕላማ፡ ነቲ ድሕሪ ክረምታዊ ዕረፍቲ ከጋጥም ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ እቲ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ፡ ኣብ የስትሪክላንድ (Gästrikland) ክሳብ 10 ሰሙን ዝጸንሕ ኮይኑ ኣብ ሄልሲንላንድ (Hälsingland) ድማ ክሳብ መበል 11 ሰሙን ክስራሓሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና እንተ ዘይማዕቢሉ፡ ተማሃሮ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሶም፡ ትምህርቶም ክቕጽሉ ተኽእሎታት ክህሉ ምዃኑ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብፍሉይ ዝተሓዙ ጉዳያት ክህልዉ እዮም። ገለ ካብዚኣቶም ድማ፡ ብናይ ርሑቕ ኣገባብ ክትግበሩ ዘይክእሉ፡ ከም ፈተናታትን ብግብሪ ዝስርሑን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ኣብ ቤት ትምህርቲ እናመጻኻ ክትግበር ምዃኑ ተፈሊጡ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com