Thursday , May 2 2024

ካብቲ ዝተመደበ መጠን ብዝሒ ክታበት፡ ሓደ ሲሶ፡ ጥራይ ከምዝበጸሐ ተሓቢሩ

ምምሕዳራት ሽወደን፡ መስርሕ ጸረ ኮሮና ክታበት ከካይዳ ኣብ ጽቡቕ ምድላዋት እኳ እንተሃለዋ፡ እቲ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ክታበት ክረኽባ ዘይምኽኣለን እዩ ክብል በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ።

መስርሕ ምርኽኻብ ክታበት፡ ንመስርሕ ክትባት ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ከደናጒዮ ተራእዩ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣቢሉ፡ ምምሕዳራት ሽወደን ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ ዓመተ 2021፡ ክሳብ 3.75 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክርከባ ምዃነን ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ክሳብ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት፡ እዘን ምምሕዳራት፡ 1.1 ሚልዮን ብልቃጥ ጥራይ ተረኪበን ከምዘለዋ ኣብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ሓላፊት ጨንፈር ጥዕና ዝኾነት፡ ኤማ ስፓክ፡ ገሊጻ። ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ኤውሮፓ፡ ካብቲ ትጽበዩ ዝጸንሐት ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ሓደ ሲሶ ጥራይ ከምዝበጻሓ፡ ስፓክ፡ ብምውሳኽ ሓቢራ።

እዘን ምምሕዳራት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ኣብ ግዚኡ ክረኽባ እንተድኣ ክኢለን፡ ሰሙናዊ፡ ክሳብ 1.2 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክወግኣ ከምዝኽእላን፡ በቲ ተነዲፉ ዘሎ መስርሕ ክትባት፡ ነቲ ዝተፈጥረ ምድኑጓይ የሕውየን ዕላመአን ኣብ ግዚኡ ክወቕዓ ከምዝኽእላ ኣደ ወንበር ሕክምናዊ ልኡኽ፡ ማሬ ሞረል፡ ኣፍሊጣ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com