Saturday , May 4 2024

ኩባንያ ሃዩንዳይ (Hyundai)፡ ናይ ዘፍረየን መካይን፡ ባተሪ ክቕይር ምዃኑ ኣፍሊጡ

ፍርያት ኩባንያ ሃዩንዳይ ዝኾና ናይ ኤሌክትሪክ መካይን፡ እቲ ዝጥቀማሉ ዘለዋ ባተሪ፡ ንሓደጋ ሓዊ ዘቃልዕ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ እቲ ኩባንያ፡ ብዓለም ደረጃ ንዘፍረየን 82 ሽሕ መካይን ባተሪ ክቕይረለን ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ ናይ ባተሪ ምቕያር መስርሕ፡ ነተን ብ ኮና አቪ (Kona EV) ዝፍለጣ ሞዴል ጥራይ ዝምልከት ምዃኑ እቲ ኩባንያ ኣብሪሁ።

ብሓደ ኣፍራይ፡ ኣብ ልዕሊ ክንድ’ዚ ብዝሒ ዘለወን መካይን ዝግበር መስርሕ ምቕያር ባተሪ፡ ኣብ ታሪኽ ንፍለማ ግዜ ምዃኑ፡ መዝገባት ይገልጹ።

መስርሕ ምቕያር ባተሪ ናይዘን መካይን፡ ክሳብ 900 ሚልዮን ዶላር ዝግምገም ወጻኢ ዝሓትት ኮይኑ፡ እዚ መጠን ገንዘብ፡ ኣብ መንጎ ኩባንያ መፍረ መካይን ሃዩንዳይን ኣፍራይ ናይቲ ባትሪ ዝኾነ ኩባንያ ኤል ጂን (LG) ብኸመይ መንገዲ ክመቓራሕ ምዃኑ ዝተረኽበ ሓበሬታ ግን የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com