Friday , May 17 2024

ዜና

ብውሑዱ 20 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምድርባዮም ከምዝሞቱ ተፈሊጡ

ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓደን፡ ኣስገርቲ፡ ካብቶም ዘስግርዎም ዝነበሩ ሰባት፡ 80 ዝኾኑ፡ ናብ ባሕሪ ድሕሪ ምድርባዮም፡ ብውሑዱ 20 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ IOM ዝተባህለ ኤጄንሲ ሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጅቡቲ፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ፡ ተበጊሶም፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ እታ ጃልባ ሰባት ስለዝበዛሓ፡ እቶም ኣስገርቲ፡ ንገለ ሰባት ናብቲ ባሕሪ ከምዝደርበይዎም ተፈሊጡ። ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ኣብ …

Read More »

ደቡብ ሱዳን: ብምሕምሻሽ ነፋሪት 10 ሰባት ይሞቱ

በዓልመዚ ኣገልግሎት ሲቪላዊ ኣቪዬሽን: ነቲ ብሰሉስ ኣብ ጀንጎሊ ዘጋጠመን ህይወት 10 ሰባት ዝቐዘፈን ምሕምሻሽ ነፋሪት ንምጽራይ መርማሪት ጒጅለ ልኢኹ ክትብል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺባ። ዳይረክተር በዓልመዚ ሲቪል ኣቪዬሽን: ኩር ኩዎል: ትማሊ ረቡዕ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ቅድሚ ምዕላባ ብልሽት ሞተር ከም ዘጋጠመ ዘመልክቱ ኣፈናዊ መርመራታት ከም እተገብሩ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት፡ ካብ …

Read More »

ሩስያዊ ክታበት፡ ስፑንቲክ ቪ፡ ብኤውሮፓዊ ሕብረት ተቐባልነት ክረክብ ከምዝኽእል ተሓቢሩ

ኤውሮፓዊ ኤጄንሲ መድሃኒት (EMA)፡ ንሩስያዊ ፍርያት ክታበት ስፑንቲክ ቪ፡ ክግምግም ጀሚሩ ከምዘሎን እዚ ድማ ከም ቀዳማይ መድረኽ ንተቐባልነት ናይቲ ክታበት ክኸውን ከምዝኽእል  ኤጄንሲ ፍርያት መድሃኒት ሓቢሩ። እዚ ክታበት፡ ብመንገዲ ኤውሮፓዊ ሕብረት ካብ ዝግምገሙ (ዝጽንዑ) ዓይነታት ክታበት፡ መበል 7ይ ክታበት ኮይኑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንሰለስተ ካብዞም ክታበታት ተፈላጥነት ሂቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

Read More »

Harmony Media News 03-03-2021

Read More »

ኬንያ፡ ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ዓሌታት ኣሞራ

ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ 11 ዓሌታት ኣሞራ፡ 7 ኣብ ደረት ምጽናት ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። ሓደ ካብዚኣቶም ኣብ ኬንያ ዝርከብ “ጨሓም ኣሞራ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓሌት ኮይኑ ሓሙሽተ ጥራይ ተሪፎም ምህላዎም ክኢላታት ምዕቃብ ብዝሓ ህይወት ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፋ 30 ዓመታት ቀንዲ ምኽንያት ሞት እዞም ዓሌታት ኣሞራ፡ ምምራዝ ምንባሩ ዘመልከቱ እዞም ክኢላታት፡ ኣብ መንጎ ሰብን እዞም ፍጥረትን ዘሎ ከባብያዊ ግጭት፡ ነዚ ጽንተት የበርክት …

Read More »

ኣልጀርያ፡ ፈረንሳ ንዓሊ ቡመንጀል ምስቓያን ምቕታላን ትእመን

ፈረንሳ፡ ቅድሚ 60 ዓመታት፡ ንውሩይ ኣልጀርያዊ ሃገራዊ ተቓላሳይ ከም ዘሳቐየትን ዝቐተለትን ተኣሚና። ኣልጀርያዊ ሃገራዊ ተቓላሳይ፡ ዓሊ ቡመንጀል፡ ኣብ 1957 ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ብኡንብኡ ድማ ኩነታት ሞቱ፡ ብነፍሰ ቕትለት፡ ከም እተመኻነየ ዝዝከር እዩ። ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ኢማኔል ማርኮን፡ ምስ ደቂ ደቁ ንቡመንጅል ብምርካብ፡ ብዛዕባ ሓቀኛ ኣማውታ እቲ ሓርበኛ፡ ከም ዝነገሮም ቢቢሲ ሓቢራ’ላ። ብነፍሰ ቕትለት ኣይኮነን ሞይቱ። …

Read More »

ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ዕሸል ተወሊዱ

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ ዝርከብ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ስኮነ፡ ሓደ ክልተ መዓልታት ዝዕድሚኡ ቅድሚ እዋኑ (premature) ዝተወልደ ዕሸል፡ ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ከምዝተረኽበ ሓደ ሕክምናዊ ጆርናል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዋ ነፍሰጾር ናብ’ቲ ሆስፒታል ምስ መጸት፡ ኩነታት ናይቲ ዕሸል ንምፍላጥ ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ ሕጽረት ኦክሲጂንን ድኹም ህርመት ልብን ከምዘለዎ ተፈሊጡ። እቶም ሓካይም ተቐላጢፎም ነቲ ዕሸል ካብ ወላዲቱ ከምዝፍለ ድሕሪ …

Read More »

ሆላንድ፡ ኣብ ሓደ ማእከል ኮቪድ-19፡ ሓደጋ ኖትጒ ኣጋጢሙ

ኣብ ሰሜን ኣሚስተርዳም እትርከብ ከተማ ቦቨንካርሽፕል (Bovenkarspel) ዝርከብ ሓደ ማእከል ኮቪድ-19፡ ሓደጋ ኖትጒ ኣጋጢሙ ክብል ፖሊስ ሆላንድ ሓቢሩ። በቲ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ፡ መሳኹቲ ናይቲ ማእከል ከምዝተሓምሸሸን ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ግን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን። እቲ ከባቢ ድሕሪ ምሕጻሩ፡ ፖሊስ፡ መርመራ ከካይድ ከምዝጀምረ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ፍጻሜ ኮነ ኢልካ ዝተኻየደ ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጸጥታ ጀርመን፡ ንሰልፊ AFD ኣብ ትሕቲ ምክትታል የእቱ

በዓል መዚ ምክልኻል ቅዋም ጀርመን (BFV) ንሰልፊ AFD (Alternative für Deutschland) ኣብ ትሕቲ ምክትታል ከምዘእተዎ ጋዜጣታት ሱደይቱስዛይቱንን ደርሽፒኾል (Süddeutsche Zeitung and Der Spiegel) ካልኦት መርበብ ሓበሬታት ኣቃሊሐን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ BFV ንንውሕ ዝበለ እዋን ንሰልፊ AFD፡ ኣጀንዳ ናይ የማናዊ ጥሩፍ ኣተሓሳስባ ከይህልዎ ብጥርጣረ ክዕዘቦ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ጉዳይ እቲ ሰልፊ ከም “ዝተጠርጠረ ጉዳይ” ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ምክትታል …

Read More »

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ተለቒቖም

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሓደ ምስ ማዕከን ዜና AFP፡ ሓደ ምስ ቢቢሲ፡ ሓደ ምስ ፋይናንሽያ ታይምስን ሓደ ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ሜድያ ዝሰርሕን ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ኣብ ከተማ መቐለ፡ ብሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር። እዞም ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት፡ ትማሊ ሮቡዕ፡ ካብ ማእሰርቲ ተለቒቖም ከምዘለዉ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ። ኣንጻር እዞም ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ብወግዒ ዝቐረበሎም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com