Saturday , April 27 2024

ኬንያ፡ ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ዓሌታት ኣሞራ

ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ 11 ዓሌታት ኣሞራ፡ 7 ኣብ ደረት ምጽናት ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።

ሓደ ካብዚኣቶም ኣብ ኬንያ ዝርከብ “ጨሓም ኣሞራ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓሌት ኮይኑ ሓሙሽተ ጥራይ ተሪፎም ምህላዎም ክኢላታት ምዕቃብ ብዝሓ ህይወት ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፋ 30 ዓመታት ቀንዲ ምኽንያት ሞት እዞም ዓሌታት ኣሞራ፡ ምምራዝ ምንባሩ ዘመልከቱ እዞም ክኢላታት፡ ኣብ መንጎ ሰብን እዞም ፍጥረትን ዘሎ ከባብያዊ ግጭት፡ ነዚ ጽንተት የበርክት ኣሎ ኢሎም።

እዚ ፐርግሪን ዝተባህለ ናይ ዕቃበ ጒጅለ፡ ምስ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ብምዃን፡ ነዚ ግጭት ሰብን ፍጥረትን ንምልዛብ ይሰርሕ ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com