Friday , May 17 2024

ዜና

ፕረዚደንት ሶማል፡ ንሓያላት ሃገራት ይወቅስ

ፕረሲደንት ሶማል፡ ናይ ስልጣን ግዜኡ ከናውሕ ምውሳኑ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ብፍላይ ድማ ሓያላት ሃገራት ዘስምዓኦ ተቓውሞ ከም ዘገረሞ ብምጥቃስ “እዚ ጒዳይ ሶማል እዩ” ብምባል ብትሪ ወቒስዎም። ንሱ፡ ሶማል ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዴሞክራሲ ዘርኣየቶ ዕቤት ክንእዳኣ ድኣ እምበር ኣብ ከምዚ ዝበለ ውሽጣዊ ጒዳያት ምእታወን ግቡኣ ኣይኮነን ኢሉ። “ሶማላውያን ዴሞክራስያዊ መሰላቶም ተጠቒሞም ዕምሪ መንግስቶም ክናዋሕ ምግባሮም ከም ዘይሕጋዊ ንምምሳል ዝግበር ዘሎ ጠቐነ …

Read More »

ሬሳ ናይ 21 ሰባት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ተረኺቡ

ትማሊ ሓሙስ ዕለት 15/04/2021፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ስደተኛታት ጽዒና፡ ካብ ቱኒዝያዊት ከተማ ስፋክስ ከም ዝተበገሰት ዝንገረላ ጃልባ፡ ናብ ጣልያናዊት ዴሴት ላምፔዱሳ፡ ኣብ ተምራሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ብሰንኪ ዘጋጠማ ሓያል ማዕበል፡ ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ካብ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ናይ 21 ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበን፡ እቲ ፈተሻ ቀጻሊ ምህላዉን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ኣብ ጉዳይ ኒል ህጹጽ ዘተ ክግበር ይጽውዕ

ቀዳማይ ሚኒትሰር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ መራሕቲ ግብጺ፥ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጒዳይ ክርክር ኒል፡ ህጹጽ ዘተ ክገብሩ ጸዊዑ ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ። እዚ ዘተ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተፈቲኑ ዝፈሸለ ዘተ ናዘን ሰለስተ ሃገራት ናይ መወዳእታ ዕድል ንምሃብ ዝተጸውዐ እዩ ዝመስል ክብል እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ኢትዮጵያ፡ ኣብ እዋን ክራማት፡ ካልኣይ እብረ ምምላእ ሓጽቢ ሚለንዬም ከተካይድ ምዃና እያ እትገልጽ። ግብጽን ሱዳንን ግና …

Read More »

ሃገረ ፊንላንድ፡ ትካላት ኣብያተ መግቢ፡ ኣፍደገአን ንኸርሕዋ ተፍቅድ

ካብ ጽባሕ ሰኑይ ዕለት 19/04/2021 ጀሚረን፡ ኣብ ፊንላንድ ዝርከባ ትካላት ኣብያተ መግቢ፡ ኣፍደገአን ንዓማዊል ብምሉእ ዓቕመን ከርሕዋ ፍቓድ እኳ እንተረኸባ፡ ኣገልግሎት መስተ፡ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድ.ቐ. ጥራይ ክኸውን፡ ብድሕሪኡ፡ ክልተ ሰዓታት ጸኒሐን ድማ ክዓጽዋ፡ መንግስቲ ፊንላንድ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብተን ብኸቢድ ለበዳ ዝተጠቕዓ ከባቢታት ግን፡ እቲ መጠን፡ ብፍርቂ ዓቕመን ጥራይ ክሰርሓ ምዃነን እቲ መምርሒ ሓቢሩ ኣሎ። ከም …

Read More »

ሃገረ ማላዊ፡ ግዜኡ ኣሕሊፉ ንዝበለቶ 16 ሽሕ ክታበት ኮቪድ-19 ትጉሕፍ

መንግስቲ ማላዊ፡ ግዜኦም ዘሕለፉ 16 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19፡ ክጉሕፍ ወሲኑ ክብል ቢቢሲ ንሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ። እዞም ብልቃጥ ክታበታት፡ ኣካል ናይቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ዝተላእከ 102 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 እዩ ኔሩ። ንመብዛሕትኡ ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተላእከልና ብልቃጥ ክታበት፡ ተጠቒምናሉ ኢና። ክሳብ ትማሊ ሰሉስ፡ ክንጥቀመሉ ድሕሪ ምጽናሕና ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ዕለቱ ስለዝኣኸለ፡ 16400 ዝኸውን ብልቃጥ …

Read More »

ክትባት ዝወሰዱ ሰባት፡ ምስ ካልኦት ሰባት ክራኸቡ ከምዝኽእሉ፡ ተገሊጹ

ክታበት ኮቪድ-19 ዝተኸትቡ ሰባት፡ ምስ ካልኦት ሰባት፡ ኣብ ዕጹው ኣደራሻት ከይተረፈ፡ ክራኸቡ ከምዝኽእሉ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን’ ኳ እንተሓበረ፡ እዚ ማለት ግን፡ ክንዛነ ኣለና ማለት ኣይኮነን ክብል ከም ዘዘኻኸረ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። መምርሒታት ኮሮና፡ ገና ጽኑዓትን ክስራሓሎም ምዃኑን ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ለና ሃለንግሪን፡ ምስ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ገሊጻ። …

Read More »

ኤርትራ፡ ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ክትወጽእ፡ ኣመሪካ፡ ጸዊዓ

ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ንጹሃት ዜጋታት ምርሻን ኣበርቲዓ ከም ዝቐጸለቶ ዝሕብር ጸብጻብ፡ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ድሕሪ ምውጻኡ፡ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክትወጽእ ጸዊዓ። ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ክጽናዕ ድማ ጻውዒታ ኣቕሪባ’ላ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቶም ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት …

Read More »

Harmony Media Voice News 15/04/2021

Read More »

ሃገረ ቤልጁም፡ ቤት ምግብታት፡ ክትከፍት እያ

ሃገረ ቤልጁም፡ ካብ ዕለት 08 ግንቦት ጀሚራ፡ ነቶም ካብ ዕለት 19 ጥቅምቲ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ናይ ደገ ኣገልግሎት ዝህቡ ቤት ምግብታት ክትከፍት ምዃና ሓደ መንግስታዊ ምንጪ ሓቢሩ ክትብል፡ ጋዜጣ ለ ስዋር ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብተወሳኺ፡ እቲ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣዋጅ ሕላፍ ሰዓት፡ ኣብቲ ዕለት ክለዓል ምዃኑ ተፍሊጡ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ናይ ምግቢ ኢንዱስትሪታት፡ ኣብ መጀምርያ ወርሒ ግንቦት፡ ስረሐን ክጅምራ ተስፋ …

Read More »

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ምጥቃም ጠቕሊላ ኣቋሪጻ

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ጠቕሊላ ከምዘቋረጸትን እቲ ዘይተጠቀመትሉ ብልቃጥ ክታበት ድማ ክትጉሕፎ ምዃና ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን በዓል መዚ መድሃኒት እታ ሃገር  (sundhedsstyrelsen and Lægemiddelstyrelsen) ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ንፍርያት ኩባንያ ጀንሶን ዝኾነ ክታበት ውን ተጽነዖ ምህላዋ ተሓቢሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ሓደ ካብ ክታበት ኮቪድ-19 ንኸይንጥቀም ምውሳንና፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com