Monday , May 6 2024

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ምጥቃም ጠቕሊላ ኣቋሪጻ

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ጠቕሊላ ከምዘቋረጸትን እቲ ዘይተጠቀመትሉ ብልቃጥ ክታበት ድማ ክትጉሕፎ ምዃና ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን በዓል መዚ መድሃኒት እታ ሃገር  (sundhedsstyrelsen and Lægemiddelstyrelsen) ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ንፍርያት ኩባንያ ጀንሶን ዝኾነ ክታበት ውን ተጽነዖ ምህላዋ ተሓቢሩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ሓደ ካብ ክታበት ኮቪድ-19 ንኸይንጥቀም ምውሳንና፡ ከቢድ ምዃኑ እኳ እንተተረዳኣና፡ ነቲ ለበዳ ብጽቡቕ ንቆጻጸሮ ከምዘለናን ብተወሳኺ ድማ፡ ካልእ ዓይነት ክታበት ኮቪድ ስለዘለና ነቲ ውሳኔ ወሲድናዮ ክብል ሓላፊ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ዴኒማርክ፡ ሶረን ብሮስትሮም፡ ገሊጹ።

ኣስታት 149 ሽሕ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ክኽተቡ ተዳልዮም ዝጸንሑ ዴኒማርካውያን፡ ካልእ ዓይነት ፍርያት ክታበት ክኽተቡ ምዃኖም በዓል መዚ መድሃኒት ዴኒማርክ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com