Sunday , May 12 2024
This Sunday, April, 11, 2021, satellite image released by NASA shows Tropical Cyclone Seroja hitting the coast of Western Australia. People living on the coast were preparing themselves Sunday for the landfall of Seroja. (NASA Worldview, Earth Observing System Data and Information System (EOSDIS) via AP) XKS101

ምዕራብ ኣውስትራልያ፡ ብማዕበል ይናወጽ

ትሮፒካዊ ማዕበል ሰሮጃ፡ ናብ 1000 ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ መሬት ምዕራብ ኣውስትራልያ ብምሽባብ ጒድኣት ከም ዘውረደ ተገሊጹ።

እዚ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተመደበ ማዕበል ንፋስ ዘኸተሎ ምጒሳዕ ውቅያኖስ፡ ኣብ ከተማ ካልባሪ ከም ዘጋጠመ እውን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ማዕበል፡ 170 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት እናተሓንበበ ዝዝርጋሕ ምጒሳዕ ውቅያኖስ ከም ዘኸተለ ድማ ሓቢሩ። እቲ ማዕበል፡ ድሒሩ ህድእ እኳ እንተበለ፡ ሓያል መሸንቦባ ንፋስ ንደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ክነጒድ ተራእዩ እዩ። ብዙሓት ኣግራብን ናይ ኤሌክትሪክ ዓንድታት ምውዳቖም ድማ ተመልኪቱ።

እዚ ማዕበል፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 9 ከም ዝጀመረን ኣዝዩ ዘፍርህን ምንባሩ ተቐማጢት ካልባሪ፡ ደቢ ሜጀር፡ ትገልጽ። ዝተረፈ ነገር ዘሎ እውን ኣይመሰለናን ኔሩ፥ ከተማና ንእሽቶ እያ፥ ዳርጋ ፍርቃ ድማ ከም ዘይነበረት ኮይና ዓንያ እያ ክትብል ንኣውስትራልያን ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ።

ማዕበል ሰሮጃ፡ ብኸምዚ ሓይልን ፍጥነትን ክጓዓዝ ዘይልሙድ ምዃኑን ካብ ካልባሪ ክሳብ ገራልድቶን ዝሽፍን ርሕቀት ምኻዱ ከም ዘገረሞምን በዓል መዚ ክሊማ እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።

ብወገን ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራልያ ዘለዋ ከተማታት ድማ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሓ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com