Monday , May 6 2024

ብፈተነ ቅትለት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ

ሎሚ ሰሉስ ዕለት 09/03/2021፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 6:00 ቅ.ቐ፡ ሓደ ኣብ ዕስራታት ዝዕድሚኡ መንእሰይ፡ ተሃሪሙ (ተጎዲኡ) ኣለኹ ብምባል፡ ናብ ፖሊስ ሃልስቤሪ (Hallsberg) ከምዝደወለ ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ጋብሪኤል ሄኒን፡ ሓቢሩ።

ፖሊስ ናብቲ ቦታ ፍጻሜ ምስ በጽሑ፡ እቲ መንእሰይ ብኸቢድ ተሃስዮ ከምዘሎ ተገንዚቦም ተቐላጢፎም ብኣምቡላንስ ናብ ሕክምና ከምዝኸይድ ገይሮም። ኣብ ሕክምና ምስ በጽሐ ድማ እቶም ሓካይም ተቐላጢፎም ሓገዝ ድሕሪ ምሃቦም፡ እዚ መንእሰይ ብቕልጡፍ እንተ ዘይመጽእ ነይሩ፡  እቲ ወሪድዎ ዝነበረ ጉድኣት፡ ክሳብ ሞት ከብጸሖ ምኻኣለ ክብል ሓደ ካብቶም ሓካይም ቃሉ ኣስሚዑ። ኩነታት ናይቲ መንእሰይ ኣብ ርጉእ ኩነታት ከምዝርከብ እቲ ሓኪም ብምውሳኽ ሓቢሩ።

እቲ ፍጻሜ ኣበይ ከምዘጋጠመ፡ እቲ ህሩም መንእሰይ፡ ምስ ሓበረ፡ ፖሊስ፡ ናብቲ ኣፓርታማ ብምኻድ፡ ንሓንቲ ኣብ 30ታት ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ብጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወን ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሑ ሰባት ድማ ንምስክርነት ከምዝወሰደ ተሓቢሩ።

ፖሊስ ነታ ኣፓርታማ ብምግራድ፡ ቴክኒካዊ መርመራታት ከካይድ ከምዝጀመረን፡ እታ ጥርጥርቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ንመርመራ ከምትቐርብን፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ሎሚ ሰዓት 11 ቅ.ቐ.፡ ኣብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም ዝርከብ ቫሳስታን (Vasastan) ዝተባህለ ከባቢ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብኣይ ናይ ቅትለት ፈተነ ብምክያዱ፡ ብፖሊስ ስቶክሆሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ ኣሎ። ኩነታት ናይቲ ግዳይ ዝኾነ ሰብኣይ’ኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ብኣምቡላንስ ተጻዒኑ ናብ ሆስፒታል ከምዘምረሐ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com