Friday , May 17 2024

ዜና

34 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም፡ ናይ ጥሜት ሓደጋ፡ የንጸላልዎ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዓመተ 2020 ብግጭት ኣብ ዝሕመሳ ሃገራት ዝነብሩ፡ ልዕሊ 88 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ምንባሮም፡ ኣብዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት ከኣ 34 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥሜት ከንጻላልዎም ከም ዝኽእል ሓቢሩ’ሎ። ንሎሚ ሕጽር ዝበለ መልእኽቲ ኣሎኒ፡ ሰባት እንድሕሪ ዘይዓንጊልካ፡ ግጭት ኢኻ ትሕብሕብ ዘሎኻ ዝበለ፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ መንጎ ግርጭትን ጥሜትን ቀጥታዊ ምትእስሳር …

Read More »

ብሓደጋ መካይን፡ ሽዱሽተ ሰባት፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም

ካብ ምምሕዳር ከተማ ኑራ (Nora) ውጽእ ኢልካ ኣብ ይቶርፕ (Gyttorp) ዝተባህለ ከባቢ፡ ኣብ መንጎ ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነትን ክልተ ናእሽቱ መካይንን ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሽዱሽተ ሰባት፡ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ፡ እቶም ሰባት ብኸቢድ ተሃስዮም ምህላዎም ን na.se ሓቢሩ። መራሕ ዓባይ መኪና፡ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣመራርሓ መኪናን ኣብ ልዕሊ …

Read More »

ሱዳን፡ ግፍዒ ብምፍጻም ተኸሲሱ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ብምሕረት ለቒቓ

ሱዳን፡ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር፡ ዞባ ዳርፎር፡ ግፍዕታት ብምፍጻሙ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኸሲሱ ዝጸንሐ፡ መራሒ ሚሊሻ፡ ብምሕረት ምልቃቓ ቢቢሲ ሓቢራ። እዚ ሙሳ ሂላል፡ ዝስሙ መራሒ ሚሊሻ ጃንጃዊድ ነበር፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ዕጡቓት ጉጅለ ዳርፎርን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እተበጽሐ ውዕል ሰላም እዩ ተለቒቑ ዘሎ። ሂላል፡ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፡ ዑመር ኣልበሽር፡ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ኮይኑ፡ ድሒሩ ግን …

Read More »

ንስራሕ ኣልቦ መንእሰያት ንምሕጋዝ፡ 200 ሚልዮን ክሮን፡ ተሰሊዑ

ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን፡ ንሓገዝ ምምሕዳራት ከተማ ዝኸውን፡ 200 ሚልዮን ክሮን ክቕርብ፡ መንግስቲ፡ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ምምሕዳራት ከተማ፡ በዚ ገንዘብ ተጠቂመን፡ ንስራሕ ኣልቦ መንእሰያት ዝኸውን ስራሕ ንኽፈጥራ ተባሂሉ ዝወሃበን ዘሎ ሓገዝ ምዃኑ ተገሊጹ። ፍርቂ ናይቲ ገንዘብ፡ ብፍሉይ ነቶም ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ መንእሰያት ዘተኮረ ክኸውን ምዃኑ መንግስቲ ሓቢሩ። መሰረታዊ ዕላማ ናይዚ ሓገዝ፡ ነቶም ኣብ …

Read More »

ኣሜሪካ፡ ክሳብ ወርሒ ግንቦት፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ክታበት ክረክብ ትምድብ

ኩሎም ኣሜርካውያን፡ ክሳብ 01 ግንቦት 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ክታበት ኮሮና ንክረኽቡ፡ ሎሚ ዓርቢ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ንመጀምርታ እዋን ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ንኹለን ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከባ በዓል መዚ ጥዕና፡ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ቀዳምነታት ክታበት ዝበሃል ዝነበረ ኣሰራርሓ፡ ተሪፉ፡ ማለት እዩ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ጽምብል ቀዳማይ ዓመት መስርሕ ዕጽዋ …

Read More »

ታንዛንያ፡ ፕረሲደንት እታ ሃገር ናበይ ኣበለ?

ንልዕሊ 11 መዓልታት ካብ መራኸቢ ብዙሃን ድሕሪ ምኽዋሉ ብዛዕባ ጥዕና ፕረሲደንት ታንዛንያ፡ ጆን ማጉፉሊ፡ ብዙሕ ሕቶታት ክለዓል ምጅማሩ ቢቢሲ ጸብጺባ። ማጉፉሊ፡ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ፡ ኣብ ኬንያ ይሕከም እዩ ዘሎ ክብል መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ቱንዱ ሊሳ፡ ምንጪታቱ ብምጥቃስ ንቢቢሲ ሓቢርዋ’ሎ። እንተኾነ ቢቢሲ ዛጊት ነዚ ጸብጻብ ካብ ናጻ ዝኾኑ ምንጭታት ከተረጋግጾ ኣይከለትን ኣላ። ፕረሲደንት ማጉፉሊ፡ ኣብ ጒዳይ ኮቪድ-19 ብዘርኣዮ ሸለልትነትን ክትባት ኣይገዝእን …

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ተመሃሮ ደማዊ ናዕቢ የካይዱ

ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይ ፕላስቲክ ጠያይትን ናይ ሓሶት ቦምብን ብምትኳስ ነቶም ተመሃሮ ንምብታን ምፍታኖም ቢቢሲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ቪንድዋተርስራንድ፡ ኣብ ምዝገባን ክፍሊትን ዘሎ ስርዓት ንምቕያር እዮም ነቲ ናዕቢ ኣልዒሎም ዘለዉ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ናዕቢ፡ ሓደ ሰብ እኳ እንተሞተ፡ ተመሃራይ ድዩ ወይስ ሓላፊ መንገዲ ዛጊት ኣይተረጋገጸን። ተማሃሮ ጆሃንስበርግ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዞም መንገዲ ብምዕጻውን ዕግርግር ብምፍጣርን ነቲ ሃገራዊ ትካል …

Read More »

ደኒማርክ፡ ክታበት ኣስትራ ዘኒካ ምጥቃም ኣቋሪጻ

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክታበት ኣስትራ ዘኒካ ምጥቃም ን14 መዓልታት ከምዘቋረጸት ኣፍሊጣ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብዙሓት በዚ ክታበት ዝተወግኡ ሰባት፡ ምርጋእ ደም ከምዘስዓበሎም ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ዴኒማርክ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መንጎ እቲ ክታበትን ዝሰዓበ ምርጋእ ደምን ምትሕሓዝ ከምዘሎ ዘረጋግጽ መደምደምታ ከምዘየለ እቲ ቦርድ ሓቢሩ ኣሎ። ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክታበት እትደልየሉ እዋን፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ እናሃለወ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ከተመሓላልፍ ብጣዕሚ …

Read More »

ኣመሪካ: ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ይካየድ ምህላዉ ትገልጽ

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግፍዒ፡ ዓለም ለኻዊ መርመራ ክካየደሉን፡ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኣብ ክልል ትግራይ፡ ምጽናት ዓሌት፡ ይካየድ ኣሎ ዝበለ ብሊንከን፡ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ መን ሓላፍነት ከም ዝወስድ ምሉእ ምጽራይ ክግበርን ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ መሬት ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ ኣሎ። ንሱ ትማሊ ረቡዕ ንባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ …

Read More »

ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቀንስትዮ: ብደረጃ ዓለም: ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ዓለምና፡ ዛጊት ኣብ መንግስቲን ሓገግቲ ኣካላትን ሰፊሕ ጾታዊ ኣድልዎ እኳ እንተ ሃለወ፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ፡ ናብ ዝለዓለ መንግስታዊ መዝነት ዘለዎ ጽፍሕታት ይመጻ ምህላወን ብረቡዕ ዝወጸ ጸብጻብ በይነ ባይቶኣዊ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምጥቃስ ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ። IPU፡ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ተሳትፎ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ጥሪ 2021 ናብ 25.5% ምዕባዩ እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣሃዝ (24.9%) …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com