Friday , May 3 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ዝተረሩ ቀይድታት ከመሓላልፍ ይዳሎ

ስፖርታዊ ቅነ ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር እዩ። ነዚ ተኸቲሉ መንግስቲ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ኣብ ልዕሊ ናብ ርሑቕ ቦታታት ዝንቀሳቐሳ ህዛባዊ መጓዓዝያታት፡ ኣውቶቡሳትን ባቡራት፡ ዝተረሩ ሓደስቲ ቀይድታት ከመሓላልፍ ወሲኑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብዘን ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ዝሳፈሩ ተጓዓዝቲ፡ ቁጽሮም ውሱን ክኸውን እዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ከምኡ ውን ሚኒስተር ትሕተ ቅርጺ፡ ቶማስ ኢኒሮስ፡ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ሎሚ፡ ኣብ ዝካየድ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይ መንግስቲ እማመ ከመሓላልፉ ትጽቢት ይግበር።

እዞም ሓደሽቲ ቀይድታት፡ ነተን ልዕሊ 150 ኪሎ ሜተር ዝጓዓዛ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝምልከት እዩ ክብሉ ዝተረኽቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com