Friday , May 17 2024

ዜና

ኣብ ምምሕዳር ቬስትማንላንድ፡ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ፡ 20 ሰባት ተለኺፎም

ኣብ ምምሕዳር ቬስትማንላንድ፡ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ዓሌት ዝፍለጥ ኮሮና ቫይረስ፡ 20 ሰባት ከምዝተለኽፉን ናይ መገሻ ታሪኽ ከምዘይብሎምን ምምሕዳር ቬስትማንላንድ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ መልከፍቲ፡ ኣብ መንጎ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ሰባት ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ግን ገምጋማት ይሕብሩ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ፡ ብ B.1.351፡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይ ለበዳ ተኽእልኡ፡ ዝለዓለ ምዃኑ ይንገር። እዚ ዓሌት ቫይረስ፡ ካብቲ …

Read More »

ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ክልተ ገበነኛታት ኲናት ናብ ቤት ፍርዲ ይቐርቡ

ሓላፊ ፈደሬሽን ኲዕሶ እግሪ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ነበር፡ ፓትሪስ -ኤድዋርድ ንጋይሶና፡ ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበነኛታት ዝቐረበሉ ክሲ፡ ኣይወዓልኩዎን ብምባል ናይ ክሕደት ቃል ሂቡ። ንጋይሶና ነቶም ኣንጻር ኣስላም፡ ቅትለት ዝፍጽሙ ዝነበሩ ዕጡቓት፡ ጸረ ባላካ፡ ዝመርሕ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት፡ ዝኾነ ገበን ኣይፈጸምኩን ክብል ቃሉ ሂቡ’ሎ። ኣብ 2013/4 ንሱን ኣልፍረድ ያካቶምን ኣንጻር ኣመንቲ ምስልምና እታ ሃገር መጥቃዕቲ ብምፍጻም እዮም ተኸሲሶም። …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና እናወሰኸ ምምጽኡ ተሓቢሩ

ኣብ መንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ሳምንታት ናይ ወርሒ የካቲት፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ብ24.1% ከምዝወሰኸ ዳይሬክተር ጥዕና’ቲ ምምሕዳር ብዮሬን ኤሪክሰን ሓቢሩ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ብጣዕሚ ኣሻቓሊ እናኾነ ምምጽኡ፡ ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ነቲ ብበዓል መዚ ጥዕና ዝወጽእ መምርሒታትን ምኽርታትን  ኣከምዘይክተልዎ ዘርኢ ስእሊ እዩ ክብል፡ ኤሪክሰን፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጹ። ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ብፍላይ ድማ ቅድሚ ክረምታዊ ዕረፍቲ፡ ምስ ሓደስትን ዘይፈልጥዎምን ሰባት ካብ …

Read More »

Harmony Media News 17/02/2021

Read More »

ኣብ ደብዳቤ ዝተጻወደ ነቷጊ፡ ኣብ ጀርመናዊ ቤት ጽሕፈት ኩባንያ ሊድል ተፈንጂሩ

ሎሚ ረቡዕ፡ ከባቢ ሰዓት 4:30 ናይ ምሸት፡ ኣብ ኔካርሱልም (Neckarsulm)፡ ጀርመን፡ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኩባንያ ሊድል፡ ብፖስጣ ተጻዊዱ ዝመጸ ነቷጊ ከምዝተፈንጀረ ሂልብሮነር ስቲመ ዝተባህለ ጀርመናዊ ጋዜጣ ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ፡ እቲ ዝተፈንጀረ ነቷጊ፡ ብፖስጣ ዝተጻወደ ምንባሩን፡ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ነቲ ፖስጣ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን ከምዘጋጠመ ሓቢሩ ክብል እቲ ጋዜጣ ይሕብር። ኣብቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ፡ ክልተ ሰባት ብፎኪስ ክቖስሉ …

Read More »

ስደተኛታት ሮሂንግያ ኣብ ህንዲ ግፋን ምዕፋንን የጋጥሞም

መንግስቲ ህንዲ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኢኹም ብምባል ንሮሂንጊያ ይገፎም ምህላዉ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ሓይልታት ጸጥታ ህንዲ ብዙሓት ዓሌት ሮሂንጋያ ብምቕያድ ናብ ቤት ማሕቡስ ክኣትዉ ምግባሮም ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ እዚ ኲነታት ነቶም ካብ ህልቂት ምያንማር ሃዲሞም ኣብ ህንዲ እተዓቚቡ ማሕበረሰብ እዚ ዓሌት ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ ይብል። “ኣማኢት ዝኾኑ ሮሂንጋያ ንሒደት ዓመታት ኣብ ምዕራብ ቤንጋል ይቕመጡ ኔሮም እዮም። ኣብዛ …

Read More »

ቬስትራ ጎትላንድ፡ ሓድሽ መምርሒ ንምክልኻል ኮሮና ቫይረስ የተኣታቱ

ኣብ ቬስትራ ጎትላንድ ለበዳ ሕማም ክሮና ቫይረስ እንዳ ወሰኸ ይመጸ ከምዘሎ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት እቲ ምምሕዳር ቶማስ ቫልበርይ ተዛሪቡ። እዚ ዝወጸ መምርሒ፡ ንለበዳ ሕማም ክሮና ቫይረስ ንምንካይ ኮይኑ፡ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያታት፡ ኣብ ዱካናት ትኣትወሉ ግዜ፡ ኣብ ኩሉ እዋናት ቡዙሕ ሰብ ኣብ ትራኸበሉ ግዜ፡ ኣፍካ ኣብ ውሱን እዋናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐጻሊ ምሽፋን ዝብል ኮይኑ፡ ከምኡውን ተቀማጦ ምንቕስቓሶም ከውሕዱ …

Read More »

ናይጀርያ—ተመሃሮ ብ “ዕጡቓት ሸፋቱ” ይጭወዩ።

ኣብ ዞባ ኒጀር (ናይጀርያ) ዛጊት ቊጽሮም ዘይተፈልጠ ተመሃሮ ወጋሕታ ብ “ዕጡቓት ሸፋቱ” ከም እተወስዱ ተገሊጹ። እዞም ሸፋቱ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ነቲ ጭውያ ምፍጻሞም መራኸቢ ብዙሃንን ሰብመዚን እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ። ጸሓፊ መንግስቲ ናይጀርያ፡ ኢብራሂም ማንተ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዕጡቓት ሰባት ነቲ ኣብ ካጋራ ዝርከብ ኮሌጅ ሳየንስ ብምጥቃዕ ተመሃሮ ጨውዮም ኣለዉ። ካጋራ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር …

Read More »

ሕቡራት መንግስታት ን ኢማራት ብዛዕባ ልእልቲ ለጢፋ ክሓቶም እዩ

ሕቡራት መንግስታት ን ምሕያር ልእልቲ ለጢፋ ዱባይ ኣመልኪቱ ምስ ሰብመዚ ኢማራት ክዝቲ እዩ ተባሂሉ። ብመሰረት ልእልቲ ለጢፋ ኣቦኣ ካብ 2018 ኣትሒዙ ነታ ከተማ ገዲፋታ ክትወጽእ ብምፍታና ጅሆ ከም ዝሓዛ እያ ትዛረብ። ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኸቶ ሚስጢራዊ ቪድዮታት ንህይወታ ከም እትፈርሕ ገሊጻ’ላ። በዚ ድማ እቲ ጒዳይ ኣቓልቦ ንኽረክብ ካብ ኣህጒራዊ ማሕብረሰብ ብዙሕ ጻውዒታት ምኽታሉ ተፈሊጡ። ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ን ሰብኣዊ …

Read More »

ኤውሮፓዊ ሕብረት (EU)፡ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ካብ ኩባንያ መፍረ ክታበት ፋይዘር ክቕበል እዩ

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ 200 ሚልዮን ዝኸውን ብልቃጥ ክታበት covid-19 ካብ ኩባንያ መፍረ ክታበት ፋይዘርን ቢዮንቴክን ክረክብ ምዃኑ ቢዮንቴክ፡ ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ገሊጹ። እዚ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፥ ብጀካ እቲ ን300 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዝኣተዎ ስምምዕ እዩ። በዚ ሓድሽ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ዓመተ 2021፡ ኤውፓዊ ሕብረት፡ ካብ ኩባንያ ፋይዘር፡ ብጠቕላላ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክርከብ እዩ። ኣብ ዝቕጽል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com