Friday , May 3 2024

ኤውሮፓዊ ሕብረት (EU)፡ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ካብ ኩባንያ መፍረ ክታበት ፋይዘር ክቕበል እዩ

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ 200 ሚልዮን ዝኸውን ብልቃጥ ክታበት covid-19 ካብ ኩባንያ መፍረ ክታበት ፋይዘርን ቢዮንቴክን ክረክብ ምዃኑ ቢዮንቴክ፡ ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ገሊጹ። እዚ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፥ ብጀካ እቲ ን300 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዝኣተዎ ስምምዕ እዩ።

በዚ ሓድሽ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ዓመተ 2021፡ ኤውፓዊ ሕብረት፡ ካብ ኩባንያ ፋይዘር፡ ብጠቕላላ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክርከብ እዩ። ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣስታት 75 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት covid-19 ናብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ክኣቱ ትጽቢት ይግበር።

ካብዚ ዝተጠቕሰ ብዝሒ ክታበት፡ እጃም ሽወደን፡ 13 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክኸውን እዩ።

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ ዓመተ 2021 ወይ 2022 ዝቕበሎ፡ ተወሳኺ 100 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ካብ ኩባንያ ፋይዘር ክዕድግ ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣወሃሃዲ ክታበት ሽወደን፡ ሪቻርድ ቤርገስትሩም፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com