Saturday , May 4 2024

ኣብ ምምሕዳር ቬስትማንላንድ፡ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ፡ 20 ሰባት ተለኺፎም

ኣብ ምምሕዳር ቬስትማንላንድ፡ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ዓሌት ዝፍለጥ ኮሮና ቫይረስ፡ 20 ሰባት ከምዝተለኽፉን ናይ መገሻ ታሪኽ ከምዘይብሎምን ምምሕዳር ቬስትማንላንድ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ መልከፍቲ፡ ኣብ መንጎ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ሰባት ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ግን ገምጋማት ይሕብሩ።

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ፡ ብ B.1.351፡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይ ለበዳ ተኽእልኡ፡ ዝለዓለ ምዃኑ ይንገር። እዚ ዓሌት ቫይረስ፡ ካብቲ ኮሮና ቫይረስ ዘስዕቦ ሕማም ዝተፈልየ ከምዝኾነ ዝሕብር መርትዖታት እኳ እንተዘየለ፡ ተማሃዙ ዘሎ ጸረ ኮሮና ክታበት ግን፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ቫይረስ፡ ኣድማዕነቱ ትሑት ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ምምሕዳር ቬስትማንላንድ ዘጋጠመ መልከፍቲ ኮሮና፡ እቲ 25%፡ ብእንግሊዛዊ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ፡ ዝሰዓበ ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com