Thursday , May 9 2024

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና እናወሰኸ ምምጽኡ ተሓቢሩ

ኣብ መንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ሳምንታት ናይ ወርሒ የካቲት፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ብ24.1% ከምዝወሰኸ ዳይሬክተር ጥዕና’ቲ ምምሕዳር ብዮሬን ኤሪክሰን ሓቢሩ።

እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ብጣዕሚ ኣሻቓሊ እናኾነ ምምጽኡ፡ ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ነቲ ብበዓል መዚ ጥዕና ዝወጽእ መምርሒታትን ምኽርታትን  ኣከምዘይክተልዎ ዘርኢ ስእሊ እዩ ክብል፡ ኤሪክሰን፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጹ።

ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ብፍላይ ድማ ቅድሚ ክረምታዊ ዕረፍቲ፡ ምስ ሓደስትን ዘይፈልጥዎምን ሰባት ካብ ምርኻብን ዘይተደልየ ምንቅስቓስ ካብ ምግባር ክቑጠቡ ከምዝግባእ፡ ኤሪክሰን፡ ብምውሳኽ ሓቢሩ።

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 49 ዓመት ዝርከቡ፡ ብልዑል ዓቐን ይረአ ምህላዉ ዝሓበረ፡ ኤሪክሰን፡ ለበዳ ኮሮና፡ ናብ ሽማግለታትን ተነቀፍቲ ኣካል ሕብረተሰብን፡ ብመንገዲ እዞም ሰባት ኣቢሉ ክሰጋገር ከምዝኽእል ሓቢሩ።     


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com