Saturday , May 11 2024

ፌስቡክ፡ ኣንጻር ግጉይ ሓበሬታታት ኮሮና ንምቅላስ፡ ኣገባባቱ የሐይል

ኣብ ናይ ፌስቡክ ሒሳባትን ኣብ ኢንስተግራምን ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝዝርግሑ ግጉያት ሓበሬታታት ንምስራዝ (ንምእላይ)፡ ኩባንያ ፌስ ቡክ፡ ዝርዝር ናይቶም ግጉያት ሓበሬታታት ዝብሎም ከምዘስፈሐ ኣፍሊጡ። እቶም ዝርዝር ግጉይ ሓበሬታ ዝበሃሉ፡ ከም “ኮቪድ-19 ስርሓት ናይ ሰብ እዩ”፡ “ ክታበት ጸረ ኮሮና ኣድማዕነት የብሉን”፡ “ካብ ክታበት ኮሮና፡ ሕማም ኮቪድ-19 ዝያዳ ውሕስነት ኣለዎ”፡ “ ክታበት ኮሮና፡ መርዛምን ንጥዕና ወዲ ሰብ ጎዳእን እዩ” ዝብሉን ካልእን ዘጠቓልል እዩ።

ኩባንያ ፌስቡክ፡ ነዞም ብተደጋጋሚ ግጉይ ሓበሬታታት ዘመሓላልፉ ውልቃውያን ይኹን ናይ ሓባር ሒሳባትን፡ ክስርዝ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ ክብል ማዕከን ሓበሬታ ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ገጻት ፌስቡክ ብዝዝርግሑ ግጉይ ሓበሬታታት ቫይረስ ኮሮና፡ ዓቢ ኣካታዒ ነጥቢ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ ቫይረስን ኣመጻጽእኡን ዝምልከት ግጉይ ሓበሬታታት ብምዝርጋሕ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ተሪር ነቐፌታታትን ተቛውሞታትን ከምዝወረዶ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com