Friday , April 26 2024

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ክታበት ንዘይደልዩ ሰባት፡ ምስክር ወረቐት ከዳልወሎም እዩ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ነቶም ክታበት ኮሮና ክወስዱ ዘይደልዩ ሰባትን እቶም ጌና ክታበት ዘይወሰዱ ኮይኖም ግን ድማ ካብ ሽወደን ወጻኢ ክገሹ ንዝደልዩ ሰባትን ምስክር ወረቐት ኣዳልዩ ክህቦም ምዃኑ ሓቢሩ።

ነቶም ክታበት ኮሮና ክኽተቡ ዘይክእሉ ሰባት ብዝምልከት፡ ዝተዳለወ ፍሉይ ምስክር ወረቐት ክወሃቡ ምዃኖምን ኣብ ዝገሹሉ እዋን፡ ናብታ ሃገር ናይ ምእታው  ውሳኔ፡ በታ ተቐባሊት ሃገር ይውሰን ክብል ዳይሬክተር ጀነራል ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ገሊጹ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝካየዱ ምንቅስቓሳትን፡ ናብ ቤት ምግብታት፡ ኣኼባታትን ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ንምብጻሕ ዝሕግዝ፡ ከምቲ ሃገረ ዴኒማርክ ክትጥቀመሉ እትሓስብ ዘላ ዲጂታላዊ ምስክር ወረቐት፡ ንምትእትታው፡ ብወገን መንግስቲ፡ ኣብ መጽናዕቲ ከምዘሎ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ሓቢራ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ፡ ተቐዳዲምና መደምደምታ ክንህበሉ ኣይንኽእልን ኢና። ጎኑ ጎኑ ድማ፡ ክታበት ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ዘለዎ ጽልዋ ክንዕዘብ ከድልየና እዩ ክትብል፡ እታ ሚኒስተር፡ ብምውሳኽ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com