Sunday , May 12 2024
Photo courtesy of The Lott

ሓደ ኣውስትራልያዊ ሸያጣይ ብዝመረጸሉ ቴኬት ሎተሪ 19000$ ይዕወት።

ሓደ ብልማድ ሰባት ዝገዝኦ ቲኬት ሎተር ክመርጹሉ ዝገብር ኣውስትራልያዊ በታ ሸያጣይ ዝመረጸሉ ቴኬት ኣቢሉ 19000$ ክዕወት ምኽኣሉ ገሊጹ።

እዚ ኣብ ሃስቲንግስ ቪክቶርያ ዝምቕማጡ ሰብኣይ ን ሎት ኦፊሻልስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ን ባዕሉን በዓልቲ ቤቱን ሎተሪ ናይ ምግዛእ ልምዲ ከም ዝጸንሖ ኣፍሊጡ።

እዛ ብሸያጣይ ዝተመርጸት ቲኬት ድማያ ኣብ ዋዜማ ክሪስማስ ናይ 18954$ ተሸላሚ ጌራቶ ዘላ። “ናብ ዱካን ኣትየ ቼክ ምስ ገበርኩ እየ ተዓዋቲ ምዃነይ ኣረጋጊጸ” ድማ ኢሉ። ” ክሳብ እተን ገንዘብ ኣብ ኢደይ ዝህቡኒ ምእማን ተጸጊመ ኔረ” ክብል ድማ ታሕጓሱ ገሊጹ።

እቲ ሰብኣይ በቲ ገንዘብ ጌሩ ንደቂደቁ ህያባት ክሪስማስ፡ ክገዝእን ምስ ሰበይቱ ናብ ኒውዚላንድ ዑደት ኣብ ምግባር ከም ዘውዕሎን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com