Sunday , May 19 2024

ዜና

ሽወደን ካብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ዘበሉ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ጠሊባ።

ካብ ባሕቲ ጥ ሪ ንደሓር ካብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ካብ ሕማም ኮሮና ናጻ ምዃኖም ዘርኢ መርመራ ክገብሩ r ከገድድ oምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። Tእዚ መርመራ ቅድሚ 72 ሰዓትት ምስንባት ዝተገብረ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ hብዘይካዚ እቲ ተጓዓዛይ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ምፍላይ ከም ዝገበረ ከመልክት ከም ዝግባእ ብንጹር ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ሕጊ ንዜጋታት ሽወደን ዘይምልከት ኮይኑ ንሳቶም ካብ ብሪጣንያ እትው እንክብሉ እቲ …

Read More »

ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ 2021 371 504 ህጻናት ተወሊዶም ክብል ዪኒሴፍ ሓቢሩ።

ኣብ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2021 ቀዳማይ መዓልቲ ጥራሕ 371 504 ህጻናት ከምዝተወለዱ ዓለምለኻዊ ውድብ ዮኒሴፍ ኣፍሊጡ። እዚ ቁጽሪ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተመዝገበ ቁጽሪ 20,000 ቀኒሱ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።  ኣብ ስዊድንውን ብተመሳሳሊ ሎሚ መዓልቲ 300 ህጻናት ከምዝተወልዱ ተፈሊጡ። ዪኒሴፍ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ  ዝውለዱ ህጻናት ብመንጽር ዝተወለዱሉ ሃገራት ኣብ ዓለም ናይ ዝጸንሕሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ግዝየ ከነጻጽር ከሎ ሓደ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪባብሊክ …

Read More »

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ዝተተኮሱ ሪቺት ሽግር ይፈጥሩ።

ዓመት ንምቕባል  ኣብ ዝተገብረ ናይ ሪቺት ምትኳስ ኣብ ዝተፈለለዩ ክፋል ሽወደን ሽግር ከምዝተፈጥረ ወሃቢት ቃል ፖሊስ ኣብ ደቡብ ስዊድን ዝኾነት ኢቫሊና ኦልሶን ገሊጻ። ክሳብ ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ ፖሊስ ደቡብ ሽወደን ጥራሕ ምስ ሪቺት ብዝተእሳሰር ምኽንያት ጥራሕ ናይ ቲለፎን ጻውዒት ከምዝተቀበሉ ሓቢራ። እዚ ቁጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብሚእቲ ከምዝወሰኸ ሓቢራ። ኣብ ማልሞ ንዝተገብረ ጻውዒት ዕሽሽ ብምባል ከምቲ …

Read More »

ኣብ ቅነ በዓል ልደት ብዘይካ ኣብ ጎቦታት ኣብ ካልእ ዝወሓደ ምንቅስቓስ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ እዋን ክሪስማስ ብዘይካ ኣብ ጎቦታት ኣብ ካልእ ዝወሓደ ምንቅስቓስ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ። ምስ ዝሓለፈ እዋን ክሪስማስ ብምውድዳር መጠን ጒዕዞ ሽወደን ኣዝዩ ምንቊልቋሉ ን ዳታ ሞባይል ብምክትታል መጽናዕቱ ዘጻፈፈ ቴላ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ’ሎ። እንተኾነ ግና ናብ ጎቦታት ዝግበር ጒዕዞ ቀጻሊ ምህላዉ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። እቶም ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ ኣብ እዋን ክሪስማስ ዝግበሩ ናይ ነዊሕ ግዜ ጒዕዞታት ብ …

Read More »

ብዙሓት ህጻናት ብናይ ነዊሕ ጽልዋ ኮቪድ-19 ይሳቐዩ ኣለዉ ተባሂሉ።

ብኮቪድ ናይ ዝሓሙ ህጻናት ቊጽሮም ዝወሓደ እኳ እንተኾነ ሳሕቲ ግና ብዝተፈልየ ኣገባብ ዝጥቅዑ ህጻናት ምህላዎም ተገሊጹ። ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ህጻናት እውን ከይተረፉ ናይ ነዊሕ እዋን ስቓይ ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ህጻናት ካብ ምፍዛዝ ጀሚሩ መትናዊን ካልኦት ብዙሓት ናይ ነዊሕ እዋን ብ ሳዕቤናት ኮቪድ ከም ዝረኣዩዎም ብ ዩኒሴፍ እተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ’ሎ። “እዞም ህጻናት ልክዕ ከምቶም ናይ ዓበይቲ ዝመስል ምልክታት እዚ ሕማም …

Read More »

ሰላም ከመይ ሓዲርኩም ክቡራት ተኸታተልትና

ዓመተ 2020 ብዙሕ ዘሕዝኑን ዘሐጉሱን ፍጻመታት ኣብ ዝባና ጼራ ክትፋነወና ሰዓታት ተሪፍዋ ኣሎ። ምድላዋት ኣልኮምፒስ ትግርኛ ነበር ሃርሞኒ ሚድያ ብዝብል ብሓድሽ መልክዕን ስምን ዝሰፈሐ ሸፈነ ብምግባር ናብ ዓመተ 2021 ንሰጋገር ኣለናዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ክኾነልኮም እንዳተተምነና ኣብ ዝቅጽል መደባትና ከነቅርቦ ትደልዩ ሓሳባት ከተካፍሉና ንዕድም።

Read More »

ሊቨርፑል ኣብዚ ቅነ ቦክሲን ማች ደጊማ ነጥቢ ኣጥፊኣ

ኣብዚ ቅነ ቦክሲን ማች ብተደጋጋሚ ነጥቢ ክትድርቢ ትርኤ ዘላ ክለብ ሊቨርፑል ድሕሪ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ምስ ዌትብሮሚች 1ብ1 ድሕሪ ምፍልላያ ነጥቢ ዘጥፍእት ሊቨርፑል።ሎሚ`ውን ተኮነ ምስ ኒውካስትል ኣብ ዝገበረቶ ግጥም።0ብ0 ብምፍልላያ ደጊማ ክልተነጥቢ ክተጥፍእ ተገዲዳ ኣላ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥም ሊቨርፑል ተዓዊታ ከይትወጽእ  ሓላዊ ልዳት ኒውካስትል ዳርለው ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ኪኢሉ እዩ።እዚ ናይ ሎሚ ናይ ሊቨርፑል ነጥቢ ምጥፋእ ንማንችስተር ዩናይትድ ዓቢ …

Read More »

ኣብ ካልኣይ ገጽ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ሓደስቲ ጒጅለታት ክኽተቡ እዮም ተባሂሉ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ካልኣይ ኣርባዕተ ገጻት ፕሮግራም ክትባት ጸረ ኮሮና ክካየድ ምዃኑን ኣብዚ ድማ ልዕሊ 70 ንዝዕድሜኦም ሽማግለታት ሸቶ ዝገበረ ከም ዝኸውን ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። ኣብዚ ግዜዚ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ዝቕመጡን ሰራሕተኛታት እዘን ትካላትን እዚ ክታበት ክወስዱ ይግበር ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ። ኣማኻሪን ዋና ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣገልግሎት ምውሃብ ክትባት ክሳብ ሕጂ ብጽቡቕ ይሰላሰል ምህላዉ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrinya 30 December 2020

አርእስተ ዜና 1. ብሓድሽ ሕጊ ለበዳ ሽወደን፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዝለዓለ ስልጣን ረኺቡ። 2. ኣብ ሽወደንን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ክታበት ኣንጻር ክሮና ቫይረስ ከምዝተኸተብካ ዘረጋግጽ ሰነድ ኣብ ናይ ምገሻ ቅጥዒ ከም ቅድመ ኩነት ክጠቓለል ከምዝኽእል ሰብ መዚ ጥዕና ኤውሮጳ መደብ ኣውጺኦም ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ኣረጋጊጾም። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja Sweden

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ገለ መዓልታት ቅድሚ ክሪስማስ ማእከላት ዕዳጋ በጺሑ ኔሩ ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቴፋን ሉፊን ኣብ 20 ታሕሳስ ኣብ ጋለሪያ ዕዳጋታት ተራእዩ ምንባሩ ተፈሊጡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ክልተ መዓልታት ኣቐድም ኣቢሉ ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ካብ ምብጻሕ ክቚጠቡ ድሕሪ ምትሕስሳቡ ምዃኑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ዜና ሒዛ ዝወጸት ኤክስፕረሰን ዝተባህለት ጋዜጣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቴፋን ሉፊን ኣብቲ ጋለሪያ ዕዳጋ እናሸመተ ዘርኢ ስእልታት እውን ሒዛ ምውጻኣ ተመልኪቱ’ሎ። ኣፈኛ ፕረስ ቀዳማይ ሚኒስተር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com