Friday , April 26 2024
Jonas Ekströmer/TT

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ገለ መዓልታት ቅድሚ ክሪስማስ ማእከላት ዕዳጋ በጺሑ ኔሩ ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቴፋን ሉፊን ኣብ 20 ታሕሳስ ኣብ ጋለሪያ ዕዳጋታት ተራእዩ ምንባሩ ተፈሊጡ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ክልተ መዓልታት ኣቐድም ኣቢሉ ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ካብ ምብጻሕ ክቚጠቡ ድሕሪ ምትሕስሳቡ ምዃኑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ነዚ ዜና ሒዛ ዝወጸት ኤክስፕረሰን ዝተባህለት ጋዜጣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቴፋን ሉፊን ኣብቲ ጋለሪያ ዕዳጋ እናሸመተ ዘርኢ ስእልታት እውን ሒዛ ምውጻኣ ተመልኪቱ’ሎ።

ኣፈኛ ፕረስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ ቃል ሉፊን ንሸመታ ዘይኮነስ ንኻልእ ጒዳይ እዩ ናብቲ ቦታ እልይ ዝበለ ክብል ነቲ ክሲ ኣሉታ ሂቡሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com