Sunday , May 19 2024

ዜና

ኩባንያ ቮልቮ፡ ን650 ሰራሕተኛታት ኣሰናቢቱ

ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና፡ ሽወደናዊ ኩባንያ ቮልቮ፡ ን650 ሰራሕተኛታት ከምዘሰናበተ ኣፍሊጡ። ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ 300 ኣማኸርቲ ናይቲ ኩባንያ ከፋኑ ወሲኑ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ። ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ድምር ብዝሒ ናይቶም ካብ ስራሕ ዝሰናበቱ ሰባት ክሳብ 1300 ክበጽሕ እዩ ክትብል ሓላፊት ዓቕሚ ሰብ እቲ ኩባንያ፡ ሃና ፋይር፡ ሓቢራ። ኣብ ካልኣይ ርብዒ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ኩባንያ ቮልቮ፡ ናይ 90 ሚልዮን …

Read More »

ማሕበር ተኻረይቲ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ክውስኽ ኣይግባእን ይብል

ኣብ ዓመተ 2021 ተወጢኑ ዘሎ ምውሳኽ ዋጋታት ክራይ ገዛ ብዝምልከት፡ ማሕበር ተኻረይቲ፡ እቲ ውጥን ከምዘይሰማማዓሉ ዳግመ ግምት ክግበረሉን ጠሊቡ ኣሎ። ምስቶም ኣብ መላእ ሽወደን ዘለዉ ኣካረይቲ ኣብ እዋን ቀውዒ ኣብ ዝግበር ዘተ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ እቲ ማሕበር ምግላጹ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ተኻረይቲ፡ ኣብ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ምህላዎም፡ ማሕበር ኣካረይቲ፡ ከም ዝኣምን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ …

Read More »

ህይወት ኖርወይ ናብ ንቡር ዝምለስ ዘሎ ይመስል

ኖርወይ፡ ንለበዳ ኮሮና ኣብ ምክልኻል ዝሓሸ ምንቅስቓስ ትገብር ኣላ ዝበለት ቀዳማይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ኣርና ሱልበሪ፡ ኣብያተ መግቢ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ጽላታት ብዘይገደብ ክኽፈቱ ከም ትደሊ ሓቢራ። ይኹን እምበር እዞም ግብራውነት ናይዞም ድልየታት ምስ ኩነታት ለበዳ ስለዝተሓሓዙ፡ እቲ ውሳነ ድሕሪ ክልተ ሳምንታት ክመሓላለፍ ምዃኑ ብምውሳኽ ሓቢራ። ብመሰረት ሓደስቲ ሕግታት ሃገራዊ እገዳ ኣልኮላዊ መስተ፡ ማለት፡ ቀረብ መስተ መዓልታዊ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝብል …

Read More »

ጸብጻብ መንግስታዊ መርማሪ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ምስዋር ጽልእን፡ ስግኣት ሽወደን ይኾኑ ምህላዎም ተሓቢሩ

መንግስታዊ መርማሪ፡ ካርል ሄዝ፡ ኣብ ዝበሎ፡ ብመንገዲ ኢንተርኔት ዝዝርጋሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ምስዋር ጽልኢን፡ ንዴሞክራሲ ሽወደን ብኣሉታ ይጸልዎ ምህላዉ ብምምልካት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሽወደን፡ ሃገራዊ ሓድነት ዘድልየላ እዋን እዩ። ንሱ ንሚኒስተር ባህሊ፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብቐጥታ ንዴሞክራሲና ብምጽላው ኣብ ግርጭት ከእትወና ዝኽእል ሓደገኛ ተርእዮ እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ከምዚ ዝበለ ወፍሪ ኣብ ሕብረተሰብ ምትፍናን ዝፈጥር ስለዝኾነ …

Read More »

ቀይድታት ምብጻሕ፡ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ክለዓል እዩ ተባሂሉ

ካብ ጽባሕ ሓሙስ ዕለት 01/10/2020 ጀሚሩ፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ምብጻሕ ክጅመርን እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ጸኒዑ ዝነበረ ቀይዲ ክለዓልን ምዃኑ ተሌቪዥን ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ሓደስቲ ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ዘመዝገበት ምምሕዳር ከተማ ዮኮሞክ (Jokkmokk) ትርከበን ምምሕዳራት ኣስከርሹንድ (Askersund)፡ ቦለቢግድ (Bollebygd)፡ ቨስተርቪክ (Västervik)፡ ሉድቪካን (Ludvika) ሌክሳንድን (Leksand) ግን ነቲ ጸኒዑ ዝነበረ …

Read More »

ኣብ ውሱናት ምምሕዳራት ሽወደን፡ ለበዳ ኮሮና ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ከም በዓል ቬስተርቡተን፡ ዳላርናን ስቶክሆሎምን ዝኣመሰላ ምምሕዳራት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ይረአ ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ሓቂ ነዚ ዝመስል’ኳ እንተኾነ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ስም ናይተን ምምሕዳራት ከይገለጸ፡ ተወሳኺ ቀይድታት ከመሓላልፍ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብደርጃ ምምሕዳራትን ከባቢታትን፡ መምርሒታት ከመሓላልፍ እዩ ክትብል ኣብ’ቲ በዓል መዚ፡ ሓላፊት ኣሃዱ ዝኾነት ካሪን …

Read More »

ኣብ ፈተና መምርሒ ፍቓድ መኪና ንዝኽሰት ምትላል ንምክልኻል ዝሕግዝ እማመ ናብ መንግስቲ ቀሪቡ

መንግስቲ ኣብ መርመራ ምዝዋር መኪና ዝግበር ምትላል ንምዕጋት ዘኽእሎ እማመታት ሎሚ ከም እተቐበለ ተፈሊጡ። ኣብ ድሕነት ትራፊክ ጠንቂ ካብ ዝኾኑ ሓደገኛ ዝንባለታት፡ ዘይሕጋዊ ስልጠናን ኣብ እዋን ፈተናታት ዝግበር ምትላልን ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ሕጋውያን ናይ ስልጠና ማእከላት ዘጋጥም ጥዕና ዘይብሉ ውድድር ምዃኑ ንግንዘብ ኢና ክብል መርማሪ ሚኒስትሪ ትራንስፖርት፡ ኦሎፍ ስቴይንሉን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል …

Read More »

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት፡ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ንምግባር፡ ክጽበዩ ይግደዱ

ቆጸራ ናይቶም ሕክምናዊ መጥባሕቲ ንምግባር ዝዳለዉ ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት፡ ብሰንኪ ንዓበይቲ ሰባት ቀዳምነታት ምሃብ፡ ከምዝተሰጋገረ ኣብ ዮቶቦሪ ዝርከብ ሆስፒታል ዶርትኒን ሲልቭያ (Drottning Silvia) ሓቢሩ። ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየዱ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 360 ከምዝጎደለን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ መጥባሕቲ ከምዘይተኻየደን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መስርዕ ናይ ቆጸራታት …

Read More »

ዜናታት ስፖርት

ሓድሽ ተጻዋታይ ክለብ ሊቨርፑል ትያጎ ኣልካንታር ብኮሮና ከምዝተታሕዘ ክለቡ ብወግዒ ኣፍሊጣ። ኣልካንታራ ክለቡ ምስ ኣርሰናል ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ከም ዘይተሰለፈ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሒሩ ግን ብኮሮና ከምዝተታሕዘ ተወሺቡ ከምዘሎን ይኹን እምበር ሕማሙ ኣመና ዘሰክፍ ከምዘይኮነን ኣብ ቐረባ እዋን ሓውዩ ናብ ጸወታ ከምዝምለስ ሓኪም  ክለቡ ኣፍሊጡ። ኣልካንታራ ኣብ መጀመርያ ጸወታ 45 ደቔቕ ጥራይ ዝተጻወተ ኮይኑ ኣብዛ ጸወታ 75 ኮዓሳሱ ምስ ደቂ ጋንታኡ …

Read More »

ብመንገዲ ስዊሽ (SWISH) ዝካየድ መስርሕ ምስግጋር ገንዘብ፡ ክብረ ወሰን ሒዙ

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብመንገዲ ስዊሽ (SWISH) ዝካየደ መስርሕ ምስግጋር ገንዘብ፡ 1,098,272 ብምብጽሑ ክብረ ወሰን ምሓዙ ተፈሊጡ። እዚ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራም፡ ስዊሽ፡ ኣብ 2012 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ዝበዝሐ መስርሕ ምስግጋር ገንዘብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ እዚ መዓልቲ ምዃኑ ኣካየድቲ ፕሮግራም ይሕብሩ። ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ልዕሊ 3 ሚልዮን ክሮን ዝኣክል ገንዘብ ተሰጋጊሩ። እቲ ፍጻሜ፡ ታሪኻውን ዘሐጉስን እዩ። እሙናት ምንጪ ናይ መሰጋገሪ ገንዘብ ምዃንና ድማ ዘረጋግጽ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com