Friday , May 3 2024

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ሽወደናውያን፡ ዝያዳ ሃለኽቲ ኣቕሑ ምሽማቶም ተፈሊጡ

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ሽወደናውያን ካብ ዝሓለፈ እዋናት ብዝለዓለ ደረጃ ሸመተ ምክያዶም ኣሃዛዊ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ሰኔ፡ መጠን ብዝሒ ናይቶም ብንጽል ዝሽየጡ ሃለኽቲ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ ብ 3.5% ከምዝወሰኸ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ገሊጾም ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

መሸጣ ናይ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ገዛ ኣቕሑ፡ ናይ መዘናግዒ ፍርያታትን ናይ ገዛ መመልክዒታትን ምስ ናይ ዝሓላፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ ብ 5% ምውሳኹ ተፈሊጡ።

ብዙሓት ሰባት ካብ ገዛ ክሰርሑ ይሰርሑ ብምህላዎም፡ ጠለባት ኮምፕዩተራትን መጉልሒ ድምጽን ወሲኹ ይርከብ ክብል ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ መሸጢ ናይ ኤሌክትሮኒካዊ ኣቑሑ ዝሰርሕ፡ ኢሚል ኣንጊርሽቲድ፡ ገሊጹ።

ናይ ኤሌክትሮኒክ፡ ስፖርትን መሳርሒታትን ጨናፍር፡ በጺሐንኦ ዘይፈልጣ ናይ 15% ክሳብ 25% መኽሰብ ከመዝግባ እንከለዋ በንጻሩ ድማ ናይ ክዳውንቲ ጨናፍር ካብ 19% ክሳብ 25% ዝበጽሕ ክሳራ ኣመዝጊበን ክብል ክኢላ ናይ ንጽል መሸጣታት ዝኾነ ፒር ኣንደርሾን ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com