Friday , May 3 2024

ቲግኒል፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ነበርቲ ስቶክሆልም፡ ናብ ኖርወይን ዴኒማርክን ክገሹ ክፍቀደሎም ተኽእሎታት ኣሎ

ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ነበርቲ ስቶክሆልም፡ ናብ ኖርወይን ዴኒማርክን ክገሹ ክፍቀደሎም ተኽእሎታት ክህሉ ከምዝኽእል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ገሊጹ ክብል SVT ሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ዝልከፉ ሰባት፡ ብርኡይ ይጎድል ምህላዉ ተፈሊጡ።  ኖርወይን ዴኒማርክን ከም ናይ መገሻ ቅድመ ኩነት ዘቕርበኦ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ 100 ሽሕ ሰባት፡ ካብ 20 ሰባት ዝወሓዱ መጠነ መልከፍቲ ኮሮና ክህልዉ ይግባእ ዝብል እዩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ መጠነ መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ሽወደን፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት 34 ሰባት ብኮሮና ዝተለኽፉ ዝሕብር ምንባሩን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽውዓተ መዓልታት ግን እቲ ቁጽሪ ብምጉዳሉ፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት 13 ሰባት ጥራይ ብኮሮና ዝተለኽፉ ምንባሮም፡ ቲግኒል፡ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ኩነታት ብኸምዚ ዘለዎ እንተድኣ ቀጺሉ፡ ነበርቲ ስቶክሆልም ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናብዘን ሃገራት ንኽኣትዉ ፍቓድ ክረኽቡ እዮም ክብል፡ ቲግኒል፡ ገምጋማቱ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢለን፡ ኖርወይን ዴኒማርክን፡ ንነበርቲ ናይ ከም በዓል ስኮና፡ በሊኪንጋን ሃላንድን ዝኣመሰላ ምምሕዳራት ናብ ሃገረን ክኣትዉ ኣፍቂደን ከምዝነበራ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com