Monday , April 29 2024

ሓቐኛ ዛንታ፣ዕድል ድዩ?

ካልኣይ ክፋል
ብጸጋርሃን ጎይትኦም

“እወ፡ እንታይ ድየ ከተማኽረኒ ደልየ መስለካ። ኣብ ጉዕዞ ህይወተይ ሓደ ራኢ ሒዘ’የ ዝጉዓዝ ነይረ። ብሕንቃቐ ዓብየ። ከም ኣተዓባብያ ድማ ኣብ ህይወተይ ምልእቲ እምበር ጎዶሎ ከይከውን ማራ’የ ዝጥንቀቕ። ነቲ ዝነበረ ጸጥታ ዕላል ብምጅማር ተርብዓቶ።
“ንስድራይ ንምሕጓስ ዘይገብሮ ነገር የብለይን። ኣቦይ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ርእሲ ጸገሙ ጸገም ክኾኖ ድልየት የብለይን፡” ብዝንታ ተዋሒጣ ስቕ በለት።
“ከመይ ማለትኪ’ዩ?” ግር ከም ዝበለኒ ካብ ኣጠማምታይ ዝተረድአት ኮይኑ ተሰምዓኒ።
“መርዓይ ሓደ ወርሒ’ዩ ተሪፉዎ። ምሳይ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ዝዞረ ኣፍቃሪ ኣለኒ። ሕጸ’ኳ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኢና ፈጺምናዮ። ብዘይ ብእኡ ምንባር ንዓይ ከንቱ’ዩ። ሕጂ ግና እቲ መርዓ ክስርዞ ወሲነ…” ናብ ስግረይ ብምጥማት ብሓሳብ ተዓዝረት።
“ትፈትውዮ እንተኾይንኪ ደኣ ስለምንታይ መርዓ ዝኣክል ትስርዝዮ?” ሓሳባታ ስለ ዝተወጃበረኒ ክትጥርንፈለይ ሓበርኩዋ።
“ፍትወት ተበሉኻ ግና ዓለም ኣይሓገዘትንን። ዘይተጸበኽዎ ገጢሙኒ። ብኸመይ ይፈትሖ ድማ’ዩ ሸጊሩኒ ዘሎ።” ብኽልተ ኣዒንታ ንብዓት ኮረር ከተብል ግዜ ኣይወሰደትን። እቲ ኣሰንባዲ ታሪኻ ድማ ካብዚ እዩ ዝጅምር፡ ህይወት ፈተና እያ፡ ዛንትኣ ድማ ብፈተና ተኸቢቡ ናብ ኣስንባዲ ተቐይሩ—።
“እንታይ ድዩ ገጢሙኪ?” ዕትብ ኢለ ተወከስኩዋ።
“ሽግር’ዩ በጃኻ! ካብ ሕጹየይ ምፍላይ ከቢዱኒ፡ ዝፈላልየና ጸገም ተረኺቡ።”
“እንታይ ድዩ እቲ ጸገም?” ጸገማ ክሰምዕ ተሃወኽኩ።
“ጸገመይዶ?”
“ጸገመይ ናጤባ’ዩ፡ በቃ ሃንደበት’ዩ ድቦላ ወዲቕኒ። በየን ክጅምረልካ’የ ወደይ…” ብምንታይ ከም ትጅምረለይ ዝጠፍኣ ክትመስል፡ ዕላላ ኣንጠልጢላ ገደፈቶ።
“ደስ ብዝበለኪ ክትጅምሪ ትኽእሊ ኢኺ?’ ናጽነት ሃብኩዋ።
“ክበልዕ ጸደፈ’ዩ ዓይነቱ። ዘሕለፍኩዎ ህይወት ገለ ደቂ ሰባት እንተተማሃረሉ ብምባል’የ ዘዕልለካ ዘለኹ። ኩሉ ሰብ ጌጋታት ዝፍጽም’ኳ እንተኾነ ናተይ ግን ፍልይ ዝበለ’ዩ። ኣስፊሕካን መርሚርካን ሰኣን ምኻድ’የ ኣብ ሕማቕ ወዲቐ። ኣበሳይ ሓንትን ዘይትቕየርን ምዃና’ዩ ዘጣዕሰኒ፡” ሕንቕንቕ ኢላ ዝን በለት።
“ደቂ ሰባት’ኳ ጌጋ መፋጥርትና’ዩ። እንፍጽሞም ጌጋ ብኸመይ ንእርሞም’ዩ ወሳኒ። ንስኺ ድማ ጌጋ ፈጺምኪ
ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ። ብኸመይ ትእር….”
“ጌጋይ ሓንትን ዘይትእረምን ምዃና’ዩ ዘጣዕሰኒ ዘሎ እምበር፡ ዝእረም ነይሩ እንተ ዝኸውን ደኣ እንታይ ዘጣዕስን ዘቐንዙን ኣለኒ፡” ዘረባ ኮሊፋ ብምስትምሳል ኣድመጸት።
“ኤኒ ሃው ብሕሉፍ ዘይምጥዓስ። እንታይ ከም ዘጋጠመኪ እንተትነግርኒ ግና ደስ ምበለኒ። ማዕረ ማዕረኡ ድማ ፍታሕ መናደና፡” ጀሚራ እተቋርጾ ዝነበረት ዕላላ መፈጸምታ ክትገብረሉ፡ ብሓውሲ ምኽሪ ከረድኣ ፈተንኩ።

“ሕጂ ጸገም ኮይኑኒ ዘሎ፡ መርዓይ ከም ዝሰረዝኩዎ ብኸመይ ንስድራይ ይንገሮም’ዩ። ምኽንይቱ ምስ ሕጹየይ ዝነበረኒ ፍቕሪ ብምልኦም ስለዝፈልጡ። ኣነ ድማ ካብ’ቲ ዝፈትዎ ኣፍቃርየይ ምፍልላይ ከቢዱኒ። በቃ ኣይከኣልኩን…” ብብኽያት ተነኽነኸት።
“ሰላም፡ እንታይ’ዩ ናብ’ዚ ኩሉ ውሳነ ዘብጸሓኪ እንተትነግርኒ ደስ ምበለኒ። ክሳብ ክንድ’ዚ ዘንብዕ የብልክን፡” ከህድኣ ፈተንኩ።
“ምሽ ኣለካ፣ ጸገምካ ልዕሊ ዓቕምኻ እንተኾይኑ፡ ዓቕሊ የድሊ። ኣነ ድማ ብንብዓት ዝፍታሕ ስለ ዝመስለኒ፡ ስቕ ኢለ’የ ዝነብዕ፡” ንብዓታ እናጸረገት ብስያፍ ጠመተትኒ።
“ንብዓት’ኪ መፍትሒ ዘይኮነ። ዘጋጥመካ ሽግር ስንኻ ነኺስካ እንተመኪትካ’ዩ፡ ፍታሕ ዝመጽእ።”
“ስለምንታይ መርዓ ከም ዘቋረጽክዎ ቅድሚ ምሕባረይ፡ መተኣሳሰሪ ክኾነካ ድሕረ ባይታይ ክነግረካ።”
“ግርም እምበር!” ቅልጥፍ ኢለ መለስኩላ።
“ኣብ 1983 ኣብ ኣስመራ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ’የ ተወሊደ። ብቕድመይ ክልተ ኣወዳት ኣሕዋት ኣለዉኒ። ኣነ ሕሳስ ልደ ገዛና’የ። ጓል ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮንኩ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን እንዳ ስላሴ ናይ መባእታ ትምህርቲ ክጅምር እንከለኹ፣ ኣሕዋተይ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዱሊስ ይማሃሩ ነይሮም። ካብ ፈለማ ትምህርቲ ነፊዐ ክወጽእ ናይ ኣሕዋተይ ሓገዝ ልዑል ነይሩ። ትሰምዓኒ ዶ ኣለኻ?” ኣቓልቦይ ምስኣ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ጠመተትኒ።
“ብተገዳስነት እምበር!” ዝተጀመረ ዕላል ከይኩለፈኒ ቅልጥፍ ኢለ መለስኩ።
“ናብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሓልፍ ከለኹ፡ ብልጫ ወሲደ’የ ሓሊፈ። በዚ ምኽንያት መታን ኣሕዋተይ ኣጸቢቖም ክሕግዙኒ፡ ናብ’ቲ ንሶም ዝመሃርሉ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊበ። ኣብ’ዚ እናሓደርኩ ክነፍዕ እምበር፡ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ሓሚቐ ኣይፈልጥን። እዚ ብትምክሕቲ’የ ዝብለካ ዘለኹ።
“ሕሳስ ልደ ብምዃነይ፡ ዝግበረለይ ዝነበረ ሕንቃቐ ክገልጸልካ የጸግመኒ’ዩ። ብፍላይ ኣቦይ ልክዕ ከም’ዛ
ብርጭቆ ከይስበሮ’ዩ ዝፈርሓኒ ነይሩ። ብዘይካኡ’ውን ኣነ ጥራይ ጓል ኣንስተይቲ ምንባረይ ሓለፋ ነይሩኒ። ኣብ ትምህርትን ገዛን ብፍሉይ እናተተባባዕኩ’የ፡ ናይ መባእታ ትምህርተይ ብዓወት ዛዚመ፡ ናብ ማእከላይ ደረጃ ዝሰገርኩ። ኣብ’ዚ እውን እንተኾነ፡ ብዘይካ ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ካልኣይ ዝወጻእኩዋ ገዲፍካ፡ ዓመት መጽአ ቀዳመይቲ እናወጻእኩ’የ ትምህርተይ ዛዚመ።” ነቲ እዋን ዘኪራ ንዕላላ ብሃሳስ ፍሽኽታ ኣሰነየቶ። ኣብ ዘንጸባረቐቶ ፍሽኽታ፡ ነቲ ትምክሓሉ መልክዓ ብኸፊል ከስተብህል ከኣልኩ።
“ድሕሪኡ’ኸ?”
“ናብ ማእከላይ ደረጃ ትምህርተይ’ውን ብዓወት’የ ዝኸዶ ነይረ። ናይ ማእከላይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና 98 ሚእታዊት ብምምጻእ’የ ዛዚመዮ። በዚ ድማ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ኣሃዱ ኢለ ጀሚረዮ። ሓንቲ ዘይረሳዕኩልካ ግና፡ እቲ ቦኹሪ ሓወይ ገዛና ናብ ወጻኢ ሃገር ብምኻዱ፣ ኣብ’ቲ ሓደ ዓመት ሓደ ካብ ስድራና ጐዲሉና ነይሩ። ላይፍ ሃይ ስኩል ካብ ድርኩኺት ቤት ትምህርቲ’ዩ ዝጅምር። ማለተይ መሓዙት ትገብር፡ ግዜ ኣብ ትረኽበሉ ድማ ተኣኪብካ ሻሂ ትሰትይ። ብሓፈሻ እቲ ዕድመ ማራ’ዩ ደስ ዝብለካ፡ ግና… “ ገለ ከም ዝዘከረት ኣብ ዝንታ ተዋሒጣ ስቕ በለት።
“ስላም ነብሲ እንታይ ድኣ?” ካብ ዝኽራ ክመልሳ ብምባል ተዳመጽኩ። “እወ እቲ ምዕባይ ሓወይ ማራ’ዩ ዝቆጻጸርኒ ነይሩ። መዓስ ከጽንዕ ኣለኒ፡ ኣበይ እዛወርን ምስ መንን ብደቂቕ’ዩ ዝቆጻጸረኒ። ኣነ’ውን ዝጸልኦ ኣይነበርኩን። ምኽንያቱ ብትምህርቲ ላዕሊ ክበጽሕ’ዩ ራእየይ። ኣቦይ’ውን ኣብ ኣካይዳይ ጥንቃቐ ክገብር መዓልታዊ’ዩ ዝምዕደኒ ነይሩ። እዚ ኣብ ትምህርተን ጉዕዞ ህይወተይን ጥንቅቕቲ ክኸውን ሓጊዙኒ’ዩ። ሓቂ ይሓይሽ ክነግረካ ምስ ወዲ ምዕላል ደስ ይብለኒ ኣይነበረን። ከም ገለምሽ ኣለካ ናይ ጉሩፕ ስራሕ ብመምሃራንና እንተተዋሂቡና፡ ወይ’ውን ኣብ መጽናዕቲ እንተተራኺብና እምበር፡ ዝቐርቦ ወዲ ኣይነበረንን።” ነዊሕ ግዲ ተዛሪባ ከተዕርፍ ትም ምስ በለት፡ ኣብ ኣእምሮይ ትውድል ዝነበረት ሕቶ ወርወርኩላ።
“ናይ ኣደኺ ግና ኣየዕለልክንን?”
“ስለምንታይ ድየ መስለካ፡ ማዘር ማራ ምስኪን’ያ። ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ኣይትዛረብን’ያ። ብዘይካ ሰላም ጓለይ ኣይትሕመቒ ካልእ ዘረባ የብላን። ክቕጽለልካ ግዳ…” ነብሳ ፈቲሓ ክትዛነ ፈተነት። ከም’ቲ ኣብ ፈለማ ክንራኸብ ከለና ዝነበራ ጭንቀት ኣየስተብሃልኩን።

“ገለ ዝቐርበን ዝነበርኩ መሓዙት፡ ዓርኪ ወይ ኣፍቃሪ ክሕዛ ከለዋ፡ ንዓይ ከም ዘይምልከተኒ እናወሰድኩዎ’የ ዝጓዓዝ ነይረ። ኣብ ጠባይ ይኹን ኣብ ትምህርተይ ኣበሳ ከይተረኽበኒ’የ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ዛዚመ። ኣብ መበል ዒስራ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ዝወረድኩ። ኣብ’ዚ ዓመት ሓደ ኣብ ገዛና ተሪፉ ዝነበረ ሓወይ፡ ኣሰር እቲ ዓቢ ሓወይ ብምስዓብ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ። ገዛና ድማ ሓንቲ ንዓይ ሒዛ ተረፈት። ኣቦይ ኣብ ልዕለይ ዓቢ ራኢ ገይሩ። ካብ ደቀይ ሓንቲ ብትምህርቲ እትዕወቲ ንስኺ ኢኺ እናበለ ተስፋኡ ናባይ ኣውዲቑዎ። ኣነ’ውን ኣይሓመቕኩን 3.4 ብምምጻእ ናብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ኣትየ።”
“ንፍዕቲ ኢኺ’ሞ!”
“እንታይ’ሞ! እዚ ኩሉ ጻዕሪ ባዕለይ ኣፍሪሰዮ፡” ደጊማ ናብ ዝንታ ኣተወት። ሰብ መንፍዓቱን ጻዕሩን ክሳብ መወዳእታ እንተዘይዓቂቡዎ ከንቱ’ዩ። ጌጋይ ድማ ካብ’ዚ እዋን’ዩ ዝጅምር። እታ መራር መዓልቲ ክዝክራ ከለኹ ነብሰይ’ዩ ግንብንብ ዝብለኒ። ናተይ’ኳ…” ተበሪሁዋ ከተዕልለኒ ከም ዘይጸንሐት ገጻ ኣሲራ ኣዕለበጠት።
“ሰላም ጽቡቕ ምሽ ከተዕልልኒ ጸኒሕኪ?”
“ነታ ተካል መዓልቲ እንድየ ዘኪረ፡ ከመይ መስለካ ካብ’ታ ኮለጅ ማይነፍሒ ዝኣተኹላ እዋን ጀሚረ፡ ማንታ ዕማም እናዓመምኩ’የ ህይወተይ ዝመርሕ ነይረ። በቲ ጉዳይ ትምህርተይ የሰላስል፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ስድራይ ይሕግዝ።” ንዓይ ዘጋጠመንስ ፍሉይ እዩ—። ዋላ ከተዕልለሉ ከቡድ እዩ።

ይቕጽል—


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com