Sunday , May 5 2024

ምኽሳዕ፡ ማዕረ ወጻኢታት ኲናት፡ ንሕብረተሰብ ክሳራ የኸትል ምህላዉ ሓድሽ መጽናዕቲ ገሊጹ

ምኽሳዕ (ማለት ልዕሊ ዓቐን ክብደት ምድላብ ) ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ፡ ካብ ወጻኢታት ኲናትን ምትካኽን ዘይንእስ ጉድኣት የስዕብ እዩ ክብል ብ ትካል ማኪንሲ ግሎባል ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ዓለምና፡ ብልዑል ክብደትን ርጉድን ከም ዝሳቐ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ብምኽሳዕ ዝስዕብ ክሳራታት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብተዛማዲ ምስ ከም በዓል ጀርመንን ዓዲ እንግሊዝን ዝኣመሰላ ኤውሮፓውያን ሃገራት ክወዳደር እንከሎ ዝወሓደ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ምስ ፈረንሳ ክወዳደር እንከሎ ግን ዝለዓለ ምዃኑ ይጠቅስ። ፈረንሳ፡ ኣካላዊ ብቕዓቶም ዝሓሹ ህዝቢ ዘለዉዋ ኣውሮጳዊት ሃገር እያ ክብል እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ብመሰረት ኣሃዛዊ ጸብጻባት፡ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ሽወደን ልዕሊ ክብደት ክኾኑ እንከሎ 14% ከኣ ከሳዓት እዮም። ንጉድያት ምኽሳዕ ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ስቴፋን ሮዝነር ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እታ ብናይ ምጥዓምን ምስትምቓርን ባህሊ እትልለ ሃገር (ፈረንሳ)፡ ብኸመይ መንገዲ እዮም ህዝባ ዝሓሸ ኣቃውማ ኣካላት ክህልዎም ዝኸኣለ ክብል ድሕሪ ምሕታት፡ እቲ ምስጢር ኣብ ኣገባብን መጠን ዝበልዕዎ መግብን ዝተሞርከሰ ክኸውን ከምዝኽእል ገምጋሙ ገሊጹ።
ኣብ ዘመነ እምኒ፡ ሰባት፡ ንጽባሕ ዝኸውን መግቢ ሰለ ዘይህሉ ሎሚ ከምዝኣኽለካ ብላዕ፡ ዝብል ዝነበረ ባህሊ ብናይ ሎሚ፡ ብሽኮራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢን ክፉት ሽወሃትን ልዑል ካሎሪን ዝመለኦ ናይ ኣመጋግባ ባህልን እኹል ምንቅስቓስን ጉዕዞን ኣብ ዘይንገብረሉ ኩነት ብምህላውናን ንሕና ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ተገራጨውቲ ባህልታት ኣንፈትና ጠፊኡና ኣሎ ክብል ዝገለጸ ሮዝነር ክብደት እንወስዶ መጠን ሽኮር ንንቀሳቐስ ብዘይምህላውና ጒድኣቱ ዝዓበየ ምዃኑ ድማ ድማ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ምኽሳዕ ንምውጋድ ኩሉ ሓላፍነት ኣብ መግቢን ምንቅስቓስን ምንባር እኹል ኣይኮነን። ኣብ ክንዳኡ ዋላኳ ኣብ ብቕዓት ህይወትን ኣከባቢን ለውጢታት እንተሃለወ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝሓሸ ህይወት ክሰርዕ ይግባእ ድማ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com