Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ኣብ ሽወደን ብብዝሒ ኮሮና ቫይረስ ዝተጠቕዑ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ከምዝኾኑ ባዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ።

እቲ ቢት ጽሕፈት ኣብቲ ማዓልታዊ ዝህቦ ዘሎ መግለጺ ዓበይቲ ዜጋታትና ብፍሉይ በዚ ቫይረስ ይጥቅዑን ይሞቱን ስለዘሎዉ፣ ንምክልኻልን ምድሓኖምን ልዑል ጥንቃቐ ክዉሰድ ኣታሓሳሲቡ፣ ስጋብ ሕጂ ተፈሊጡ ከምዘሎ ኣብ መእለይ ትካላት ኣረጋዉያን እቲ ቫይረስ ይማሓላለፍ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብ ሊንሾፒን ሽዱሽተ መእለይ ትካላት ኣረጋዉያን በዚ ሕማም ከም እተለኽፋ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኖርሾፒን ዘሎ ኲነታት ገና ርጉጽ ዘይምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ኖርሾፒን 16 ሰባት በዚ …

Read More »

ኣብ ከተማ ስቶኮልም ንሰራሕተኛታት ጥዕና ዘገልግል ምውሳኽ ደሞዝ ክተኣታቶ ሙዃኑ ተሓቢሩ።

ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ኣብያተ ሕክምና ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ዝዉዕል፣ እቲ ኣብ እዋን ሓደጋን ቅልዉላዉን ዘገልግል ስርዓተ ደሞዝን ምዉሳኽ ሰዓታት ስራሕን ከታኣታቱ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣማኻሪት ፋይናንስ ዞባ ኢሪነ ስቨኖንዬስ ብሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እዚ ውሳነ ብምሉእ ድምጺ ምሕላፉ ገሊጻ። ንሳ ህይወት ንምድሓን ዘርኣናዮ ናይ ሓድነት መንፈስ ዘሐብን እዩ። ስለዚ ድማ እቲ ዝተገብረ ስምምዕ ክበራበር ንኽሰርሓን ኣብ ስሙን 48 ሰዓታት ንኽዓያን ናብ …

Read More »

ፋይናንሳዊ ቁጽጽር፡ ባንክታት ንክፍሊት ዜቤታዊ ደገፍ ልቓሕ (Mortgage) ናብ 14 ኣዋርሕ ከስጋግርኦ ይሕተታ።

ብልቓሕ ኣባይቲ ዝገዝኡ ሰባት ንባንክታት ክኸፍልዎ ዝጸንሑ ክፍሊት ዜቤታዊ ደገፍ ልቓሕ (Mortgage) ካብ ሚያዝያ 14 ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 2021 ንኽሰጋገር ቤት ጽሕፈት ፋይናንሳዊ ቁጽጽር ንባንክታት ተማሕጺኑ። ዕዳጋ ኣባይቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓደጋ ከምዝርከብ ኣብ ኖርዲያ ናይ ቁጠባ ክኢላ ዝኾነት፡ ኣኒካ ፈንሴት፡ ሓሳባ ትገልጽ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ባንክታት ንግዚኡ ክፍሊት ዜቤታዊ ደገፍ ልቓሕ (Mortgage) ከሰጋግረኦን ብሰንኪ እዚ ንዘጋጥመን ከሳራ ክሽፍናሉ …

Read More »

ሽማግለታት ናብ ግሮሰሪታት ካብ ምኻድ ክግትኡ በዓልመዚ ጥዕና ኣመልኪቱ።

በዓልመዚ ጥዕና ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል የኽእል እዩ ዝበሎ ካልእ ሕጊ ኣብ ናይ ሎሚ ግዜጣዊ መግለጺ ተዋሂቡ። ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ዳይረክተር ጀነራል ጆሃን ካርልሰንን ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያትን ሌና ሃለንግረንን እየን። እቲ በዓልመዚ ልዑል ትራፊክን ብዝሒ ሰብ ዘለዎ ኣጋጣሚ ከወግዱን ካብ ማሕበራዊ በዓላት ክእለዩን ድማ ጸዊዑ። ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ብፍላይ ናብ ግሮሰሪታትን ህዝባዊ መጓዓዝያን ካብ ምኻድ ክቚጠቡ ድማ መኺሩ። ብዘይካዚ ድኳናት መጠን …

Read More »

ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ን ሓደገኛ ህቦብላ ንፋስ መጠንቐቕታ የመሓላልፍ።

ብመስረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ብ ቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ ህቦብላ ንፋስ  ካብ ደቡባዊ  ምዕራብ ዝተበገሰ ንመላእ ሽወደን ከጥቅዓ ሙኻኑን ሰባት ኣብ ኩሉ ንጥፈታቶም ዝያዳ ምጥንቃቕ ክገብሩ ይሕብር። እዚ ህቦብላ ካብ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ስጋብ ምሸት ዝቕጽል ኮይኑ ኣብ ገለ ከባቢታት ብ ኸቢድ ዝናብ ክሰነ ምኻኑ ወስኹ ይገልጽ። ብሰንኪ እዚ ኣውሎ ንፍስ ንጥፈታት ትራንስፖርት ባቡር ኣብ መንጎ  Uddevalla / Strömstad ን …

Read More »

ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ካብ ካልእ ሰብ ዝፍለ ሓደጋን ተቓላዕነትን ለበዳ ኮሮና የብሎምን ተባሂሉ።

ኣቐዲሙ ከምዚ ዝበለ ወረን ሓበሬታን ክጋዋሕ ምጽንሑ እንተኾነ ግና ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ዝተፈልየ ተቓላዕነት የብሎምን ተባሂሉ። ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቴግኔል ብጽቡቕ ዝእለ ሕማም ሽኮር ምንም ዝተፈልየ ተቓላዕነት ከም ዘይብሉ ኣብ ክሊኒክ ካሮሊንስካ ዋና ሓኪም ሚካኤል ራይደን ገሊጹ’ሎ። እቶም ኣብ ሓደጋ ኣለዉ ዝበሃሉ ሕዱር ሕማም ሽኮርያን ካልእ ተጓደንቲ ሽግራትን ዘለዎም ጥራይ እዮም ድማ ኢሉ።

Read More »

ኣብ ብዙሓት ቦታታት ሽወደን ለበዳ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ ክብል በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ ትኽ ዝበለ መስመር ብዝብል ክግለጽ ዝጸንሐ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮና ኲነታት ይቕየር ምህላዉ ተገሊጹ። ሕላፊት ትንተና በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ን ሬድዮ P1 ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እቲ ኣሃዛት ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ፡ እንተኾነ ግና ካብዚ ብምብጋስ ብዛዕባ መጻኢ ምትንባይ ከም ዘሸግር ገሊጻ። ኣብ ዝበዝሑ ክፋላት ሽወደን ሕጂ’ውን ህድእ ዝበለ ኲነታት ምህላዉ፥ ኣብ ገሊኡ ግና ብኣንጻሩ ብናህሪ ዝዓቢ ለበዳ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ። …

Read More »

ካብ ኩሉ ብእኩብ ዝካየድ ዓይነት ስፖርት ካብ ምክያድ ሰባት ክቛርጽ ይጽውዕ።

ዝኮነ ሰብ ኮነ ስፖርተኛታትን ዝተዋህበ ምኽሪ ውድድራት ደው ብምባል በብቅልቖም ኣብ ግዳም ልምምዳትኩም ኣካይዱ ሰብ መዚ ጥዕና ይምሕጸኑ። ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ከም ውድድራት ካልእን ክውንዘፉ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እዚ ዝተባህለ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እዩ። ዳይረክተር ጀነራል ጆን ካርልሰን ገሊኣቶም ስፖርት ጠቢቕካ ምርኻብ መይ ምትንኻፍ ዝሓቱ ብምዃኖም ክካየዱ የብሎምን ኢሉ። ኲሎም ብምትንኻፍ ዝካየዱ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንግዜኡ ክዕገቱ ድማ ጻውዒቱ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ በዓል ፋሲካን ሮሞዳንን ንምጽንባል ዝግበሩ ምትእኽኻባት ንኽስረዙ ይጽውዕ።

ሕብረተ ሰብ ሽወደን በዓል ፋሲካ ንምጽንባል ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ካብ ምጋሽ ክቑጠቡ መንግስቲ ተማሕጺኑ። ብተወሳኺ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ሃይማኖታዊ በዓላት ከም በዓል ፍሲካ ኮነ ሮሞዳን ንምጽንባል ዝግበሩ ዝነበሩ ምትእኽኻባት ንኽስረዙ ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን ጸዊዓ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ምግታእ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምዃኑ እታ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት፡ ቤት ምግብታት፡ ድኳናትን …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ፋርማሲታት ዝግዝኡ መድሃኒት ቀይዲ ክግበረሎም እዩ።

ኣብ ዕዳጋታት መድሃኒት ቅልውላው ንኸየጋጥም ብምባል መንግስቲ ሽወደን ነቲ ካብ ፋርማሲ ዝሃልኽ መድሃኒታት ቀይዲ ክገብረሉ ሎሚ ንግሆ ወሲኑ። ፋርማሲታት ንሕሙማት ክሸጣሎም ዝጸናሓ ናይ ሓደ ዓመት መድሃኒት ተሪፉ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል መድሃኒት ጥራይ ክሸጣሎም ከምዘለወን እዚ ሓድሽ ውሳነ ይእዝዝ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ። ሕዱር ሕማም ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ዓመት ዝኣክል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com