Wednesday , May 8 2024

ሃገራዊ ዜና

ኣብ ሽወደን ብዕድመ ዝነኣሰ ግዳይ ኮሮና ህይወቱ ምሕላፉ ተሓቢሩ።

ወዲ 30 ዓመት ሽወደናዊ ኣብ ኣውራጃ ዮንሾፒንግ ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብሕማም ኮሮና ህይወቱ ምሕላፋን ዝነኣሰ ግዳይ እዚ ሕማም ኮይኑ ከም እተረኽበን ተፈሊጡ። ንሎሚ ሓዊስካ ቊጽሪ ግዳያት ሞት ሽወደን 110 ምብጽሑ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣፍሊጡ’ሎ። ካብ ትማል ክሳብ ሎሚ ተወሳኺ 8 ሰባት ምልካፎም ድማ ተመልኪቱ። ብዘይካዚ 3700 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ምህላዎን ኣሃዛት እቲ በዓልመዚ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ኣብ ሽማግለታት ዝረአ ዝነበረ …

Read More »

ርእሰ ከተማ ሽወደን ንምዕጻዉ መንግስቲ ኣብ ውሳነ ከምዘይበጽሐ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ ብዝሒ ተላባዒ ቁጽርን ምዉታንን ዝተላዕለ ቦታ ሒዛ ዘላ ከተማ ስቶክሆልም ሙሉእ ብሙሉእ ንምዕጻዉ ዘኽእል ስጉምቲ፣ መንግስቲ ገና ዉሳነ ከምዘይበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቨን ሓቢሩ። ንሱ ምስ ኣገልግሎት ተሌቭዥን 4 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፣ ስቶክሆልም ብብዙሕ ጉዳያት ምስ ከባቢ ዘሎዋ ከተማታት ስለትታኣሳሰር ንግዚኡ መተኻእታ ፍታሕ ስጋብ ዝርከብ፣ ንከተማ ስቶክሆልም ነጺልካ ምዕጻዉ፣ ከምዘየዋጽእ ሓቢሩ። ጎረቤት ሃገር ፊንላንድ ርእሰ ከተማኣ ዝኾነት ከተማ …

Read More »

ሎቨንን ሊንድን ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተራኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪንን ሓላፊት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝኾነት ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ ትማሊ ዓርቢ ብመንገዲ ኣገልግሎት ቪድዮ ኣቢሎም ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ሃይማኖታት ክርስትና፡ እስልምና፡ ኣይሁድን ቡድሃን ከምዝተራኸቡ ተሓቢሩ። ዕላማ ናይቲ ርክብ፡ ኩነታት ተኸተልቲ እዘን ሃይማኖታት ንምፍላጥን ኣብዚ ሽወደን ተሕልፎ ዘላ ሕማቕ ግዜ ድማ ሓለፍቲ ሃይማኖታት ንሰባት ተስፋ ኣብ ምሃብን ምርግጋእን ጸላዊ ተረኦም ንኸበርክቱ ዝዓለመ ምዃኑ …

Read More »

ፍቃድ ዝረኸበ ሓድሽ መድሃኒት ቫይረስ ኣብ ሕሙማት ኮሮን ክፍተን እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ለበዳ ኢቦላ ንምዕጋት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝነበረ መድሃኒት ሕሙማት ኮሮና ንምፍዋስ ፈተነ ክግበረሉ እዩ። እዚ ፈተነ ብኤጀንሲ መድሃኒታት ሽወደን ምሉእ ፍቓድ ከም እተዋህቦን። እዚ ስነምግባራዊ ሕቶ ዘልዕል ናይ ፍቓድ ሽግር ካብ ተፈትሐ ኣብ ስቶክሆልምን ዮተበሪን ማልምን ዝርከቡ ግዳያት ክፍተን ምዃኑ እውን ድሮ ተመልኪቱ’ሎ።

Read More »

መነባብሮ ሽወደናውያን ነዚ ሕማም ንምስጋር ፍቱን ኣገባብ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ብመስረት ጸብጻብ ቢቢሲ ማሕበራዊ ኮዳት ሽወደን ቅልውላው ኮሮና ንምዕጋት ኣገደስቲ ምዃኖም ካብ ቢቢሲ እተረኽበ ንውሕ ዝበለ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። “ሽወደናውያን ምስ ሰብ ጥብቕ ኢልካ ኮፍ ምባልን ሃንደራእ ኢልካ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ምዕላልን ኣየዘውትሩን እዮም” ድማ ኢሉ።፡ ጸሓፊት እዚ ጸብጻብ ሎላ ኣኪንማድ ኤከርስትሮም ሓንቲ ካብቶም ቃለመሕትት ዘካየዱ እያ። ሽወደናውያን ኮሮና ቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ዝጸንሐ ትፍንትት ኢልክ ኮፍ ናይ ምባል ልምዲ ኣለዎም ድም …

Read More »

ዕለተ ምቅያር ናይ ክረምቲ ጎማታት ተሽከርከርቲ (dubbdäck) ተናዊሑ።

 ኣብ ሽወደን ዝርከባ ተሽከርከርቲ ክጥቀማሉ ዝሓገያ ጎማታት ከምቲ ልሙድ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሚያዝያ ክቅየር እኳ እንተነበሮ ናብ ዕለት 30/04/2020 ከምተናወሐ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ሓቢሩ።ጎማታት መካይን ንምቅያር ብዙሓት ተገልገልቲ ናብ ገራጃት ብምምጻእ ነተን ጋራጃት ጻዕቂ ስራሕ ክፈጥሩለን ተኽእሎታት ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ ምትእኽኻብ ሰብ ነቲ ምልባዕ ናይ ቫይረስ ጠንቂ ስለ ዝኾነ ንዕኡ ንምውጋድ እዚ ስጉምቲ ተወሲዱ ክብል ኣብ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሓላፊ ዝኾነ ፤ ሃንስ ኖረን፤ ንመርበብ ሓበሬታ ሽወደን ሓቢሩ። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ተገልጋሊ ጎማ መኪንኡ ንኽቅይር ክሳብ መወዳታ ግዜ ክጽበ ከምዘይብሉ ክርደኦ ይግባእ። ኣብ መወዳእታ ብዘጋጥም ጻዕቂ ስራሕ ናይ ገራጃት ኣገልግሎት ክይረክብ ተኽሎታት ክህሉ ስለዝኽእል።ማሕበር መቀያየሪ ኣቅሑ መካይን ብወገኑ ነዚ ውሳነ ብምድጋፍ እዚ ናይ ምንዋሕ ሓሳብ ቀዋሚ ክኸውን ኣዘኻኺሩ።

Read More »

ኲነታት ዓበይቲ ኲባንያታት ሽወደን እናኸፍአ ምምጽኡ ተገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻባት ማእከላይ ባንክ ሽወደን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ኲነታት ሪክስባንክ ናብ ዝኸፍአ ይኸይድ ኣሎ። እዚ መግለጺ ምስ ዓበይቲ ኲባንያታት ብተኸታታሊ ድሕሪ እተኻየደ ቃለ መሕትት እተበጽሐ መደምደምታ እዩ ይበሃል ኣሎ። ኣብ ኢንዱስትሪታት መጓዓዝያን ኣብያተ መግብን ብፍላይ ቢዝንስ ናብ መዕጻው ደረጃ የንቈልቊል ምህላዉን ናኡሳን ኮንትራክተራት ኣብ ዓብዪ ቅልውላው ኣትዮም ምህላዎምን ተመልኪቱ። ኣብ ሃለኽቲ ኣቕሑ ግና ምውሳኽ ጠለብ ከም እተራእየ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ …

Read More »

በዓል መዚ ጥዕና፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ዮቶቦሪ ቁጽሪ ግዳያት ክሮና ቫይረስ ክውስኽ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ብዙሓት ተቐማጦ ከተማ ዮቶቦሪ ዝኾኑ ሰባት ብክሮና ቫይረስ ክልከፉ ከምዝኽእሉ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙን ቁጽሪ ልኹፋት ክሮና ቫይረስ ኣብ ዮቶቦሪ ክውስኽ ምዃኑ ተመራማሪ ተላበዕቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኔል፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጥዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዝተፈልየ ኩነት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ለባዳ ቫይረስ ንምግታእ ብዝተፈላላዩ …

Read More »

ብመሰረት ጸብጻብ፣ ሎሚ ቀዳም ቁጽሪ ግዳያት ክሮና ኣብ ሽወደን 102 ሰባት በጺሑ።

ክሳብ ሎሚ ቀዳም 28/03/2020 ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ብሰንኪ ሕማም ክሮና ቫይረስ ዝሞቱ ቁጽሮም 102 ሰባት ከምዝበጽሐ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ከምዝተረጋገጸ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ክሮና ዝተለኽፉ ሰባት 3447 በጺሑ ኣሎ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት ድማ ናብ 214 በጺሑ ከምዘሎ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

Read More »

ምቕያር ሰዓታት ወቕቲ

ሎሚ ለይቲ ዕለት 28 ናብ ጽባሕ ዕለት 29 መጋቢት ዘዉግሕ፣ ሰዓታት ክረምቲ ( ዊንተር ) ፣ ናብ ሰዓታት ሓጋይ ( ሳመር ) ሰዓታት ክቕየር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። በዚ መሰረት ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ሓደ ሰዓት ንቕድሚት ናብ ሰዓት ሰለስተ ሰዓትካ ብምምዕርራይ ምቕያር ይካኣል። ኣብ ሞባይል ተሊፎናት ይኹን ኤሊክትሮኒካዊ መሳርሕታት እንተኾይኑ ኸኣ፣ ኩሎም መስርሕታት ባዕላቶም ክቕየሩ እዩም።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com