Tuesday , May 14 2024
Tedros Adhanom Ghebreyesus, Director General of the World Health Organization (WHO) (Salvatore Di Nolfi/Keystone via AP) AMB802

WHO: ለበዳ ኮሮና ገና ጥቓ ምውዳእ ኣይቀረበን ኣሎ ክብል ኣጠንቂቂ።

ሻቕላ ለበዳ ኮሮና ገና ጥቓ ምውዳእ እውን ኣይቀረበን ጥራይ ዘይኮነ እዚ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ልብጥ ዝበለ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ነቲ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮና ዝጸንሐ ሻቕላ ከወግዶ ከም ዘይክእል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ልዑል ቊጽሪ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ይኽሰት ምህላዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ። ትማል ሰሉስ ጥራይ፡ ኣብ ፈረንሳ፡ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ከም እተለኽፉ ካብታ ሃገር ዝወጹ ጸብጻባት ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ብዘይካዚ ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ 100 ሽሕ ሕሙማት ከም እተረኽቡ ተፈሊጡ።

ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ጀነቫ ኣብ እተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ቫይረስ ኦሚክሮን 18 ሚልዮን ሰባት ከም ዝልከፉ ጌሩ ምህላዉ፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣመልኪቱ።

ጅር ኮሮና፡ ብማእከላይ ገምጋም እንክረአ፡ ልብጥ ዝበለ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ “እዚ ሕማም ጒድኣት ኣየስዕብን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ግና ግጒይ እዩ” ክብል ድማ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ንሱ “ሓደራ ጌጋ ከይንፍጽም፥ ኦሚክሮን ኣብ መላእ ዓለም ሰባት ኣብ ሆስፒታል ክውዕሉን ክሞቱን ይገብር ኣሎ፥ እቶም ዝሓሸ ጽንካረ ዘለዎም ሕማማት እኳ ከይተረፉ ንትካላት ጥዕና ወጥሪ ፈጢሮም ኣለዉ” ድሕሪ ምባል “ኦሚክሮን ብዘገርም ናህሪ ዓለምለኸ ለበዳ እናኾነ ምስ ምኻዱ ሓድሽ ጅር ክኽሰት ስለ ዝኽእል፡ መራሕቲ ሃገራት ነዚ ሕማም ብግቡእ ምክትታልን ገምጋምን ክገብራሉ ከም ዝግባእ እውን ወሲኹ ተላብዩ። “ብፍላይ ኲነታት ናይተን ዝወሓደ መጠን ክትባት ዘለወን ሃገራት የሻቕለኒ እዩ ዝበለ፡ ዶ/ር ቴድሮስ፡ “እዚ ኲነታት ናብ ሓደጋ ሕማምን ሞትን ከቃልዕ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዎ” ኢሉ።

ዳይረክተር ናይ ህጹጽ እዋን WHO፡ ዶክተር ማይክ ራያን ብወገኑ፡ እዚ ናህሪ ለበዳ ብፍላይ ኣብተን ዝወሓደ መጠን ክትባት ዘለወን ሃገራት፡ ጸቕጢ ሕክምናን ሞትን ከባዝሕ ከም ዝኽእል ኣስሚሩሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com