Sunday , May 5 2024

ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክትፈርም 10 መዓልታት ክወስደላ ይኽእል እዩ

Credit: Denes Erdos/AP

ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ዝወሰደቶ ውሳነ ብወግዒ ክትክትም ክሳብ 10 መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ነዚ ዝበለ ቤት ጽሕፈት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ሃንጋሪ ከምዝኾነ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ብኻልእ ወገን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ዝካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፍሉይ ኣቀባብላ ከምዝተሰጋገረ ማዕከን ዜና TT ሓቢራ’ላ። እዚ እናኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ባይቶ ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ሽውደን ናብ ኔቶ ድሕሪ ምጽዳቑ፥ ሽወደን ን 200 ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ዘይሻራነት ፖሊሲ ትገድፍ ምህላዋ ገሊጹ። መራሒት ተቓዋሚ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣባል ኔቶ ምዃና ን ጸጥታ ሽወደን ከም ዘደንፍዕ ኣስሚራትሉ’ላ። ሽወደን መመልከቲኣ ብ16 ግንቦት 2022 እያ ኣቕሪባ፡፡ እቲ መስርሕ ድማ ቅልጡፍ ክኸውን ትጽቢት ተጌሩ ነይሩ። እንተኾነ ግና – ኩለን ሃገራት ኔቶ ነዚ ሕቶ ክቕበላ ዳርጋ ክልተ ዓመት ወሲዱለን እዩ። ሽወደን ድሕሪ ምጽዳቕ ባይቶ ሃንጋሪ ምሉእ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ንምዃን ኣብ መንገዲ ትርከብ። ጎረቤት ሃገር ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ካብ እትኸውን ኣስታት ሓደ ዓመት ኣቑጺራ ኣላ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com