Sunday , May 5 2024

ሃገረ ሽወደን ተወሰኽቲ ጽኑዓት ማሕበራዉን ህዝባዉን መምርሕታት ኣማሓላሊፉ ከምዘሎ መራሕ መንግስቲ ሽወደን ሓቢሩ።

ሃገረ ሽወደን ልክዕ ሎሚ ሓደ ሰሙን ቅድሚ ባዓል ልደት ብናህሪ ንዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ንምግታእ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 24 ታሕሳስ ማለት ድሮ ባዓል ልደት ጀሚሩ፣ እዞም ዝስዕቡ ሓደሽቲ መምርሕታት ተማሓላሊፎም ከምዘሎዉ ሕጂ ቅድሚ ስቱድዮ ምእታዉና ተኣዊጁ ኣሎ።

በዚ መሰረት፣

1 ካብ 4 ሰባት ንላዕሊ ምእካብ ይኹን ምርኻብ ከምዘይፍቀድ፣

2 መሽጣ ኣልኮል ክሳብ ሰዓት ሾሞንተ ምሸት ክኸዉን፣

3 ኣብ ቅሉዕ ቦታታትን መጓዓዝያን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካብ 7 ጥሪ  ግድነት ክኸዉን ዝብሉን ካልኦትን ተታሓሓዝቲ መምርሕታት ተማሓላሊፎም ኣሎዉ።

4, ካልኣይ ደርጃ ኣብያተ ትምህርቲ ስጋብ መወዳእታ ጥሪ ብ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክምህራ

5, ምሔንበሲን ምውስዋስ ኣካላት ዝካይደሎም ቦታታት ስጋብ 24 ጥሪ ዕጽዋት ክኾኑን ሰባት ካብዘየድሊ መገሻታት ክቕጠቡ።

ቀዳማይ ሚንስተር ወሲኹ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ስለእንርከብ መምርሕታት ኣንዳጸንዑ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com