Thursday , May 2 2024

ሃገረ ኖርወይ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንሽወደን፡ ከተለቃሓ እያ

ሃገረ ኖርወይ፡ 200 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንሽወደን ከተለቅሕ ምዃና ሚኒስተር ጥዕናን  ኖርወይ፡ ቤንት ሀይየ (Bent Høie) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ሃገረ ኖርወይ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ምጥቃም  ንግዚኡ’ ዃ  እንተ ኣቋረጸት፡ እቲ ኣብ ከብሕታት መኽዚኖታታ ዘሎ ብልቃጥ ክታበት፡ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንከሎ ዘሐጉስ እዩ ክብል እቲ ሚኒስተር ድሕሪ ምግላጽ፡ ሃገሩ፡ ንክታበት ኣስትራ ዘነካ ከምእንደገና ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ ኣብ ትምድበሉ እዋን፡ እዚ ብልቓሕ ዓዲላቶ ዘላ፡ ክምለሳ ምዃኑ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ዕድመ ናይዚ ኖርወይ ንሽወደን ኣለቂሓታ ዘላ ክታበት፡ ክሳብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዝጸንሕ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ሃገረ ኖርወይ፡ 16 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንሃገረ ኣይስላንድ ከተለቃሓ ምዃና ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com