Thursday , May 2 2024

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ብመጠን ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ብመጠን ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮሮና፡ ምስተን መዛኑኣ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ክትወዳደር እንከላ፡ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ከምእትርከብ ጸብጻባት ምቁጽጻር ለበዳ EU ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ብመሰረት መምዘኒ መጠን ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮሮና፡ ማለት፡ ካብ 100 ሽሕ ነበርቲ ዝግበር ምንጽጻር ኮይኑ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት፡ ሃገረ ዴኒማርክ 225 ዝተለኽፉ ሰባት ክርከብዋ እንከለዉ፡  ሃገረ ሆላንድ ብ204፡ ሃገረ ላትቪያ ድማ ብ203 ንዴኒማርክ ተኸቲለን ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ይርከባ።

ይኹን እምበር፡ መጠን ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮሮና፡ ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝረአ ዘሎ፡ ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት ውን እቲ መጠን እንዳ ኣንቆልቆለ ይመጽእ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እተን ዝተሓተ መጠን ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮሮና ዘመዝገባ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ማልታ፡ ሮሜንያ፡ ፖላንድ፡ ፊንላንድ፡ ሃንጋሪን ቡልጋርያን ኮይነን፡ ካብ 100 ሽሕ ነበርቲ፡ ትሕቲ 50 ጥራይ ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ዘመዝገባ እየን።

ሃገረ ሽወደን ድማ፡ ኣብ መበል 21 ን 22 ሰሙን፡ ካብ 100 ሽሕ ነበርቲ፡ 165 ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ዘመዝገበት ሃገር ኮይና ኣላ ክብል እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com