Thursday , May 2 2024
Polish border guards stand near the barbed wire as migrants from the Middle East and elsewhere gather at the Belarus-Poland border near Grodno, Belarus,(Leonid Shcheglov/BelTA via AP)

ሃገረ ፖላንድ፡ ንቤላሩስ ኣጠንቂቓ

ፖላንድ፡ ብሰንኪ ካብ ቤላሩስ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምእታው ዝፍትኑ ዘለዉ ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ዶባተን ዘየድሊ ብረታዊ ጎነጽ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ።

እቶም ስደተኛታት ሓጹር ትሪኮላታት ዶባት ብምብታኽ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ሰራዊት ፖላንድ ናብቲ ዶባት ከም እተዋፈረ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ።

ቤላሩስ፡ ነዚ ቅልውላው ንኽባላሕ ኮነ ኢላ ትሰርሕ ኣላ ክብሉ ፖላንድ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኔቶን ክኸሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ፕረዚደንት እታ ሃገር ግና ነዞም ክሲታት መሰረት ዘይብሎም እዩም ክብል ኣውዲቕዎም’ሎ።

ኣባላት ኔቶን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝኾና ፖላንድ፡ ሊቱዌንያን ላቲቭያን ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ካብ ቤላሩስ ዝብገሱ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ማእከላይ ምብራቕን ኤስያን ናብኣተን ብብዝሒ ይኣትዉ ምህላዎም ብምግላጽ ንቤላሩስ ከም ዝኸሰሳ ይዝከር። እዚ እናኾነ ፖላንድ ምስ ኩዝኒካ ዘራኽባ ዶብ ክትዓጹ ምዃና ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com