Sunday , May 5 2024
Italy's team celebrates with the trophy on the podium after winning the Euro 2020 soccer championship final between England and Italy at Wembley stadium in London, Sunday, July 11, 2021. (Michael Regan/Pool via AP) MME195

ሃገራዊት ጋንታ ጥልያን፡ ተዓዋቲት ዋንጫ ሃገራት ኤውሮጳ፡ EURO-2020፡ ኮይና

ትማሊ ሰንበት ምሸት ካብ ሰዓት 9፡00 ክሳብ 11፡40 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝን ጥልያንን፡ ንዋንጫ ሃገራት ኤውሮጳ መን ጨበጠ ኣብ ዘካየደኦ  ናይ ፍጻሜ ጸወተአን፡ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ጥልያን ተዛዚሙ።

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ፡ ኣንጻራ ዝተቐልዐት ናይ ኩርናዕ ቅላዕ ተቖጻጺራ፡ ኩዑሶ ናብ ሉክ ሸው ምስ ተዋህበት፡ ንሱ ብወገኑ ንኣብ ማእከል ሜዳ ዝነበረ፡ ሃሪ ኬን ኣቐበሎ፡ ንሱ ውን ናብቲ ኣብ የማናይ ሸነኽ ናይቲ ሜዳ ዝሃልል ዝነበረ ትሪፕየር ኣረከባ፡ ትሪፕየር ንኹዑሶ ቅሩብ ድሕሪ ምድፍኡ፡ ናብ ልዳት ጥልያን ናብ ዝነበሩ ተጻወቲ ኣሕለፋ፡ ወዩ ኩዑሶ ኣብ መሬት ከይዓለበት፡ በቲ ካብ ድሕሪት እናጎየየ ዝመጸ ናይ ጸጋም ተኸላኻሊ ዝኾነ ሉክ ሾው ተቐሊዓ ምስ ሰኪዐት ልዳት ጥልያን ተጸንቢራ። እዛ ሸቶ እዚኣ፡ ኣብ መበል 1 ደቒቕን 57 ካልኢትን ብምምዝጋባ፡ ኣብ ታሪኽ ውድድራት ዋንጫ ኤውሮጳ እታ ዝቐልጠፈት ሸቶ ተባሂላ ክብረ ወሰን ከምትሕዝ ኮይና ኣላ።

ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ግን ከምቲ ዝጀመሮ ክቕጽል ኣይተራእየን። ጌና ኣብ ቀዳማይ እብረ ጸወታ እንከለዉ፡ ነታ ዘእተውዋ ሸቶ ኣብ ክንዲ ካልኣይቲ ዝውስኹላ፡ ንኽዕቅብዋ ዝሓሰቡ ክመስሉ፡ ናብ ምክልኻል ዘድሃበ ጸወታ ብምጅማሮም፡ንጥልያን፡ ንቕድሚት ንኽደፍኡ ዕድል ከፊቶምሎም። ካብ’ቲ እዋን ጀሚራ ድማ፡ ሃገራዊት ጋንታ ጥልያን ንቕድሚት ክትደፍእን ጸወታ ክትቆጻጸርን ኩዕሶ ክትውንን ኣምሲያ። ይኹን እምበር፡ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ብመሪሕነት እንግሊዝ፡ ተዛዚሙ፡ ክልቲአን ጋንታታት ንዕረፍቲ ወጺአን።

Italy’s Leonardo Bonucci celebrates with this teammates after scoring his side’s opening goal during the Euro 2020 soccer final match between England and Italy at Wembley stadium in London, Sunday, July 11, 2021. (Andy Rain/Pool Photo via AP) HAS171

ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ሃገራዊት ጋንታ ጥልያን፡ ዝተመዝገበታ ሸቶ ንኸተሕዊ፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝዛዘመቶ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ውን ብምቕጻላ፡ ንቕድሚት ክትደፍእ ጀመረት። ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ጥልያን፡ ሮቤርቶ ማንቺኒ፡ በብእዋኑ ሰለስተ ተጻወቲ ብምቕያር ንጸወታ ጋንትኡ ኣመሓይሹ ኣብ መበል 66 ደቒቕ፡ ተኸላኻላይ ቦኑቺ፡ ማዕረ ትገብር ሸቶ ኣመዝጊቡ። ክልቲአን ጋንታታት፡ በጻብዕቲ ኢድ ዝቑጸራ ሓደገኛ ንሸቶ ዝኾና ፈተነታት እኳ እንተ ኣካየዳ፡ ጸወታ ብማዕረ ሸቶ ን 120 ደቓይቕ ቀጺሉ ናብ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ተበጽሐ።

ኣብ ዝተኻየደ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ፡ ብወገን ጥልያን፡ ተጻዋታይ ቶሪኖ ዝኾነ ቤሎቲን ተጻዋታይ ቸልሲ ዝኾነ ጆርጂንዮን ብወገን እንግሊዝ ድማ፡ ራሽፎርድ፡ ሳንቾን ቦካዮ ሳካን ፍጹም ቅላዕ ብምስሓቶም፡ ጸወታ ብዓወት ጥልያን 3 ብ 2 ተዛዚሙ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ተኸላኻላይ ሃገራዊት ጋንታ ጥልያን፡ ሊዮናርዶ ቦኑቺ፡ ብሉጽ ተጻዋታትይ ናይቲ ግጥም ተባሂሉ ክርቋሕ እንከሎ ወዲ ጋንትኡ ዝኾነ ሓላው ልዳት፡ ጅያንሊዊጂ ዶናሩማ፡ ድማ ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ውድድር ኮይኑ ተሸሊሙ።

Italy’s goalkeeper Gianluigi Donnarumma makes a save against England’s Jadon Sancho during penalty shootout of the Euro 2020 soccer championship final match between England and Italy at Wembley Stadium in London, Sunday, July 11, 2021. (Paul Ellis/Pool via AP) PJO193

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com