Saturday , May 4 2024

ህሉው ግዜ ትጽቢት ሕክምና ስነ-ኣእምሮኣዊ ህጻናት ቅቡል ኣይኮነን ተባሂሉ

Credit: isabell Höjman/TT

ሓደ ህጻን ኣብ ሽወደን ኣበየናይ ሸነኽ እታ ሃገር ይቕመጥ ዝብል ረቑሒ ናብ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ንምኻድ ክንደይ ግዜ ክጽበ ከም ዘለዎ ይውስን ምህላዉ፥ እዚ ድማ ንውዕል መሰል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃን ተገሊጹ። እዚ ናይ ትጽቢት ግዜ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን (BUP) ቅቡል ኣይኮነን ክትብል ሓባሲት ንብዓት ህጻናት ኤልሳቤጥ ዳህሊን ትገልጽ። ብርክት ዝበሉ ህጻናት ብጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፡ ንኣእምሮኣዊ ንጥፈታት ዝሕግዙ መድሃኒታት ዝእዘዘሎም ከኣ ብቚጽሪ እናወሰኹ ይመጹ’ለዉ። እዚ እናኾነ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ኦረብሮ ሰለስተ እግረኛታት ብባቡር ጽዕነት ባቡር ብዝወረዶም ግጭት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ። እቶም ሰለስተ ግዳያት ንምንታይ ኣብቲ መንገዲ ባቡር ምንባሮም ንጹር ኣይኮነን። እዚ እናኾነ ሎሚ ሓሙስ እቲ ንቡር ኣገልግሎት ባቡር ከም እተጀመረ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com