Thursday , May 2 2024

ህቦብላ ኢሻ ንሽወደን ኣጥቂዑ

Credit: Johan Nilsson/TT

ትካል ክሊማ ሽወደን ኣስታት ን ህቦብላ ኢሻ ምኽንያት ብምግባር 30 መጠንቀቕታታት ኩነታት ኣየር ኣውጺኡ፡፡ ህቦብላ ኢሻ ናብ ሽወደን ከቢድ ዝናብ፡ ህቦብላን ዕልቕልቕን ሒዙ ምምጽኡ እቲ ትካል ኣጠንቂቑ’ሎ። እዚ ህቦብላ ዘምጽኦ ዕልቕልቕ፣ ብርቱዕ ንፋስ፣ መሸንቦባን በረድን ዝበዝሖ ጽርግያታትን ድሮ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ንህዝባዊ መጓዓዝያ ጸገም ፈጢሩ’ሎ። እዚ ህቦብላ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር–ስኮርና–ብርክት ዝበለ ጒዕዞ ባቡርን ኣውቶቡሳትን ንኽስረዝ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። እቲ ዝበዝሐ ብጫ መጠንቀቕታታት ብርቱዕ ንፋስ ኮይኑ፡ እዚ ድማ መላእ ሰኑይ ክሳብ ሎም ሰሉስ ክቕጽል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com