Thursday , May 2 2024

ህንዲ፡ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ መልከፍቲ፡ኮቪድ-19፡ ተመዝግብ

ህንዲ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 314,835 ሓደስቲ ሕሙማት ኮቪድ-19 ከም ዝተረኽቡዋን እዚ ድማ ኣብ ዓለምና ብሓደ መዓልቲ ዝተረኽበ ዝዓበየ ኣሃዝ ምዃኑን ተገሊጹ።

ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሰዓበ መጠነ ሞት፡ ብ 2000 ክብ ምባሉ፡ እዚ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተመዝገቡ መጠነ ሞት እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ህንዲ ብለበዳ ኮሮና እተታሕዙ ሰባት ቊጽሮም ናብ 6 ሚልዮን በጺሑ ምህላዉ ተመልኪቱ።

ህንዲ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ጉረሮኣ ሓኒቕሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዋሕዲ ኦክስጂን ጋዝ ምህላዉ እቲ ካልእ ምንጪ ሻቕሎት ስርዓተ ክንክን ጥዕና እታ ሃገር ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። ሓደ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደልሂ፡ መንግስቲ፡ ንሕጽረት ኦክስጂን ጋዝ ብዝምልከት ዝኽተሎም ዘሎ ኣገባብ ብትሪ ነቒፉ’ሎ። ሓደ ወናኒ ሽዱሽተ ሆስፒታላት ዘቕረቦ ጥርዓን ድሕሪ ምስማዕ፡ እዚ ቤት ፍርዲ፡ ከምዚ ዝበለ መግለጺ ምውጽኡ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። መንግስቲ፡ ንፋብሪካታት ዝተሓስበ ኦክስጅን ከይተረፈ፡ ናብ ሆስፒታላት ከም ዝዕደል ብምግባር ህይወት ዜጋታቱ ከውሕስ ይግባእ ክብል እውን ለበዋኡ ኣቕሪቡ።

ብዙሓት ህንዳውያን ሕሙማት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ኦክሲጂን ከም ዝሞቱን ማሕበራዊ ሜድያ እታ ሃገር ከቃልሓ እንከለዋ፡ ሆስፒታላት፡ ሕቶ ሕጽረት ኦክሲጂን ንኽፍታሕ ብዝሓቱ ዜጋታት፡ ኣዕለቕሊቐን ምህላወን ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com