Saturday , May 4 2024

ሊበራላውያን፡ “ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፥ ህጻናት ክንደይ ግዜ ኣብ ስክሪን ይሕልፉ ኣብ ዝብል ሕቶ ሓላፍነት ክወስዳ ኣለወን”

ሰልፊ ሊበራል፥ ትካላት ቴክኖሎጂ ህጻናት ወልፊ ቪድዮ ጸወታታት ወይ ስክሪን ሞባይል ከይህልዎም ንምርግጋጽ ዝያዳ ሓላፍነት ክወስዳ ዘገድድ ኣገባብ ክተኣታቶ ጸዊዖም። መራሒ እቲ ሰልፊ ዮሃን ፐርሾን፡ እዚ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ንክኸውን ብክኢላ ሓይሊ ዕማም ክምርምር ከምዝደሊ ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብዚ ሰሙን ናብ ሽወደን መንግስታዊ ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ተወሳኺ ምትብባዕ ከም ዝሃቦ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ምዕራብ ሽወደን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ፖስታ ፖስትኖርድ፡ ኣብ ዘካይድዎ ፍሉይ ስርሒት ዕሹጋትን መድሃኒት ዝሓዙ ልዕሊ 1300 ደብዳበታት ምርካቦም ገሊጾም ። በዚ ድማ 1200 ሰባት ብገበን ምውናንን ምዝዋርን ዕጸፋርስ ተኸሲሶም ብፖሊስ ይድለዩ ኣለዉ። ፖሊስ እቲ ዝተረኽበ መጠን ብዝሒ ዕጸፋርስ ከምዝገረሞም ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com