Wednesday , May 1 2024
FrankHoermann/SVEN SIMON via www.imago-images.de/Imago/TT

ሊቨርፑልን ቶተንሃምን ይዕወታ!

ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ቻምፒዮን ኤውረጳ ትማሊ ምሸት ቀጺሉ ኣብ ዘምሰየሉ ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ፓርትጋላዊት ፖርቶ 2ብ0 ከምእውን ቶተንሃም ንጛል ሃገራ ማንቸስተር ሲቲ 1ብ 0 ብምስዓር መንገደን የጣጥሓ።

ሊቨርፑል ንጸወታ ዓብሊላ ገፊሕ ዓወት ክተመዝበሉ እትክእል ዝነበረት ግጥም ሊቨርፑል ብዙሕ ዕድላት ከተብክን እያ ተራእያ።ሊቨርፑል ነዚ ናይ ሎሚ ዓወት ቅድሚ ዕረፍቲ ናይሮ ኬታን፣ፈርሚኖን ብዘመዝገብወን ሹቶታት እያ 2ብ0 ተዓዊታ።

ቅድሚ ዕረፍቲ ንዝረከበታ ፍጽም ቅላዕ መቅጻዕቲ ብ ኣጉዌሮ ክትጥቀመላ ዘይካ- ኣለት ሲቲ ኣብ ሓድሽ ሜዳ ቶተንሃም ደቡብ ኮራዊ ሚን ሶን ብዘመዝጋባ እንኮ ሹቶ 1ብ0 ተሳዒራ።ሲቲ ኣብ`ዚ ንመዘነኣ ቶተንሃም ብጸወታን ክትዕብልላ እንተተራእየት ሸቶ ከተመዝብ ግን ኣይ ካለትን።እቲ ኣብ ሓድሽ ሜዳ ቶተንሃም ናይ ፈለማ ሹቶ ፕሪመርሊግ ከመዝግብ ዝካ ኣለ ሶን ብተወሳኪ እቲ ናይ ፈለማ ኣብ ናይ ቻምፕዮንስ ሊግ ሹቶ ዘመዝገበ ዝብል
ተደራቢ ክብሪ ክረክብ ኪኢሉ ኣሎ።ግጥም ጎባልል ከለባት ኤውሮጳ ጽባሕ ብዝካየድ ክልተ ግጥማት
ክቅጽል እዩ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com