Monday , May 13 2024
Claudio Bresciani / TT / kod 10090

ሊንዳ፡ ዝኾነ ስነ ስርዓት ቀብሪ መዋቲ ቀልጢፉ ክውዳእ ትምሕጸን።

ቤተ ሰብ መዋቲ ንስነ ስርዓት ቀብሪ ግዜ ከይወሰዱ ክፍጽምዎ ከምዝግባእ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ኣዘኻኺራ። ምስዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ጽንኩር ኩነታት፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብጽቡቕ ኣገባብ ይካየድ ኣሎ። ምስግጋር ግዜ ናይ ቀብሪ ግን ጠንቂ ምእኻብ (ምጭቕጫቕ) ክኸውን ከምዝኽእልን ከም ሳዕቤኑ ድማ ንዝሞቱ ቤተ ስብና ብቑዕ ዝኾነ ናይ መፋነዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክንገብረሎም ኣብ ዘይንኽእል ደረጃ ከብጽሓና እዩ ክትብል እታ ሚኒስተር ኣብሪሃ።

ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮና፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከምቲ ልሙድ ኣገባብ ክፍጸም ከምዘይግባእ መምርሒ ተመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይዝከር። ንመዋቲ ዝግበር ኣገባብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝበዝሑ ቤተሰብ ኣብ ዝርከብሉ ኣጋጣሚ ንምፍጻም ዝዓለመ ድሌት ርዱእ እኳ እንተኾነ እቲ ሬሳ ንነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ከምዘይግባእ ሚኒስተር ሊንዳ ደጊማ ኣዘኻኺራ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ ኣፈጻጽማ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ልዑል ጸቕጢ ኣጋጢምወን ካብ ዝነበረ ምምሕዳራት ስቶክሆሎም ሓንቲ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com