Friday , May 3 2024
Hoda Muthana, who was born in New Jersey in 1994 and grew up in Alabama. (Hoda Muthana/Attorney Hassan Shibly via AP) NY887

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ንጥርዓን ኣባል ዳዕሽ ነበር፡ ነጺጉ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ንጥርዕን እታ ካብ ኣመሪካ ተበጊሳ ንዳዕሽ ዝተጸንበረትን ናብ ሃገራ ክትምለስ ዝሓተተትን፡ ሁዳ ሙሳና፡ ዝተባህለት ዜጋ፡ ሕቶኣ ከም ዝነጸጎ ተፈሊጡ።

ኣብ ጥቅምቲ 1994፡ ኣብ ኒውጀርዚ ካብ ዲፕሎማት ስድራ እተወልደት ሁዳ፡ ኣብ በርሚንሃም ኣላባማ ከም ዝዓበየት ጸብጻብ ኣልጀዚራ ገሊጹ። ሁዳ፡ ብኦንላይን ኣኽራሪ ዝዓይነቱ እስልምና ክትስበኽ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2014 እያ ናብ ዳዕሽ ተጸንቢራ። ዳዕሽ ድሕሪ ምስዓሮም ድማ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝሕገዝ ሓይልታት ዴሞክራሲ ሶርያ ኢዳ ሂባ እያ ጸኒሓ። ንሳ ናብ ዳዕሽ ምጽንባራ ከም ዘጣዕሳ ብምግላጽ ምስቲ ካብ ሓደ ኣባል ዳዕሽ ዝወለደቶ ህጻን ወዳ ናብ ኣመሪካ ክትምለስ ሕቶ ኣቕሪባ ኔራ። ኣቦ ወዳ ኣንጻር ዳዕሽ ኣብ ዝተገብረ ውግኣት ከም ዝሞተ እዩ ዝግለጽ። ድሕሪዚ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ 2019 ዜግነታ ብሕጊ ክስረዝን ፓስፖርታ ክሕደግን እኳ እንተገበረ ስድራቤታ ግና ናብ ኣመሪካ ክትምለስ ጥርዓን ከቕርቡ ምጽንሖም እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com