Friday , May 3 2024
Credit: Janerik Henriksson/TT

ልዑል ሞያ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ፍቓድ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክሳለጠሎም እዩ

ከም ኣካል ናይቲ መንግስቲ ልዑል ሞያ ኣብ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ዝሃቦ ፍሉይ ኣተኲሮ፡ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ንገለ
ኣመልከትቲ ብፍላይ እዚ መስርሕ ከቀላጥፎን ከቃልሎን ትእዛዝ ተዋሂብዎ’ሎ። ካብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ፡
ላዕለዋይ ትምህርቲ ንዘድልዮም ስራሓት ዝቐርብ መመልከቲ ፍቓድ ስራሕ፡ ካብቶም ዝተረፉ ብቕጽበት ከም ዝፍለ ተጌሩ፡ እዚ
መመልከቲ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ከም ዝሳለጥ ክግበር እዩ።
“እዚ ንኻልኦት ጉዳያት ኣብ ዝግበር ኣታሕዛ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ እዩ ማለት ግን ኣይኮነን” ክብል ፍረድሪክ ቤንግትሰን ኣብ
ኤጀንሲ ስደተኛታት ኣስሚሩሉ’ሎ።

 

Credit: Janerik Henriksson/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com