Sunday , May 5 2024
More than a billion people are fully vaccinated in China (AP Photo/Andy Wong) XAW101

ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ቻይናውያን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ተኸቲቦም

ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ካብ ህዝቢ ቻይና፡ ምሉእ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡን እዚ ድማ 71% ካብ ምሉእ ህዝቢ ቻይና ምዃኑ ጸብጻባት ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ክሳብ ዕለት 15 መስከረም ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ቻይና፡ 2160 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣብ መዓላ ከምዝወዓለ ወሃብ ቃል ኮሚሽን ጥዕና እታ ሃገር፡ ሚ ፌን፡ ገሊጹ።

መንግስቲ ቻይና፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክበጽሖ ዝደሊ ንጹር ዝኾነ ወግዓዊ ዕላማ ከምዘየቐመጠ እኳ እንተተፈልጠ፡ ተመራማሪ ስነ ቫይረስ ዝኾነ ዞንግ ናንሻን፡ ኣብ መጨረሽታ ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ክሳብ 80% ካብ ህዝቢ ቻይና ምሉእ ክታበት ከም ዝወስዱ ንምግባር፡ ይስራሕ ኣሎ ክብል ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከምዝተዛረበ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com