Sunday , May 5 2024

ልዕሊ 130 ሽሕ ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ኣድማ ከካይዱ እዮም

Cropped view of person hands typing on laptop computer

ኣብዚ ሰሙን ፊንላንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ርኡይ ደውታ ኣጋጢምዋ ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ልዕሊ 130 ሽሕ ሰራሕተኛታት እታ ሃገር፥ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ ዝቐረበ ጽገናታት ዕዳጋ ሽቕለት ብምቅዋም ኣድማ ከካይዱ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እዚ ብባህሪኡ ፖለቲካዊ ዝኾነ ኣድማታት፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝካየድ ሕብረተሰባውን ቁጠባውን ንጥፈታት ብሰፊሑ ክዘርግ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት ሰፊኑ’ሎ። እቲ ኣድማታት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑን፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራሕተኛታት ካብ ረቡዕ ክሳብ ዓርቢ ክወጹ ምዃኖምን ሄልሲንጊን ሳኖማት ጸብጺባ’ላ። ኮንፈደረሽን ኢንዱስትሪታት ፊንላንድ፡ ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ ኣድማ ምስቲ ድሕሪ ታሕሳስ ዝተኻየደ ብሓባር ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዩሮ ዝኸውን ክሳራ ከም ዝሰዓበ ይግመት። በዚ ኣድማ ጽላታት መጓዓዝያ ባቡር ሃስያ ከም ዝወረዶ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ መላእ ዓበይቲ ከተማታት ን48 ሰዓታት ዝጸንሕ ኣድማ ኣብ ዝጅምራሉ ዘለዋ እዋን፡ ንቴሂን ሱፐርን ሓዊሱ ጽላታት ጥዕናን ትምህርትን ብፍላይ ድማ ትምህርቲ ምድላው ህጻናት ሎም ሰሉስን ረቡዕን ምዝባዕ ከጋጥሞ፡ መንግስታውን ውልቃውን መዕበዪ ህጻናት ክዕጾ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ዋላ እኳ ኣገልግሎት ነዊሕ ርሕቀትን ውሽጣዊ ባቡራትን ካብ ሰሉስ ክጅምር ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ቪኣር ብሰንኪ ኣብ ትራክ ዝበጽሐ ጉድኣት ጎማታት ድሕሪ ምፍላጡ፡ ኩለን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ባቡራት ንስለ ድሕነት ጒዕዞአን ክስርዛ ምዃነን ትማሊ ምሸት ኣፍሊጡ። እዚ እናኾነ ኣገልግሎት ባቡር ውሽጢ ዓዲ ንቡር ስርሑ ክቕጽል እዩ። ጽላት ኢንዱስትሪ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣትሒዙ ደው ክብል እዩ፡፡ ብሕብረት ኢንዱስትሪን ፕሮ ዩኒየንን ዝተጀመረ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ኣድማታት ንዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት ክጸሉ ዓብዪ ተኽእሎ ኣለዎ። ኣብዚ ኣድማታት ኣስታት 60 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪን 7 ሽሕ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈታትን ክጽንበሩ ትጽቢት ይግበር፡፡ እዚ ድማ ንዓቢ ክፋል ኢንዱስትሪ ፊንላንድ ጨርሲ ደው ከየብሎ ተሰጊኡ’ሎ። ኣብ ሄልሲንኪ፡ ታምፐረን ቱርኩን ዝርከብ ህዝባዊ መጓዓዝያ እውን ብሰንኪ ኣድማ JHL ሰፊሕ ምዕጻው ከጋጥሞ እዩ፡ እዚ ድማ ንኣገልግሎት ትራም፡ ሜትሮን ኣውቶቡሳትን ብእሉታ ክጸልዎ እዩ። እቲ ኣድማታት ዝመጽእ ሓሙስ ናብ ጽላት ጸዓት ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤሌክትሪክ ፖለቲካዊ ኣድማኡ ካብ መመንጨዊ ኒዩክለር ሎቪሳ ናብ መሳለጥያ ኒዩክለር ኦልኪሉኦቶ ከሰጋግሮ እዩ። ካልኦት ቀጻሊ ኣድማታት ድማ፡ ኣብ ማእከላት ሎጂስቲክስ ብሰርቪስ ዩኒየን ዩናይትድ (PAM) ከምኡ’ውን ብማሕበር ሰራሕተኛታት መግቢ SELን ፕሮ ዩኒየንን ክካየዱ እዮም ብመሰረት ጸብጻብ “ሄልሲንኪ ታይምስ”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com