Monday , May 6 2024

ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ቆጸራ ክታበት ኮሮና፡ ብቴሌፎን ክሕዙ ከምዝኽእሉ ክግበር እዩ ተባሂሉ

ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ክታበት ኮሮና ምውጋእ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ብመንገዲ ቴሌፎን ኣቢሎም ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ክግበር፡ ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን ተሰማሚዐናሉ ከምዘለዋ መደበር ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ።

ካልኣይ መድረኽ ክታበት፡ ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣቐዲሞም፡ ምስቶም ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ይኹን ኣብ ገዝኦም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽቡ ሽማግለታት፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ክታበት ኮሮና ዘይተወግኡ እዮም። እዞም ሽማግለታት፡ ብመንገዲ 1177 ወይ ድማ ንክታበት ዝምልከት ፍሉይ መስመር ቴሌፎን ኣቢሎም ቆጸራ ክሕዙ ክኽእሉ ምዃኖም እተን ምምሕዳራት ሓቢረን ኣለዋ።

ኣብ ምምሕዳራት ኦስተርጎትላንድ፡ ዮንሾፒን፡ ሃላንድን ካልማርን ዝርከቡ ሽማግለታት፡ ናይ ባንክ መንነት (Bank ID) ከየርኣዩ ቆጸራ ብምሓዝ ክኽተቡ ከምዝኽእሉ ሓቢረን ኣለዋ። ነቶም ኣብ 80ታት ን 90ታትን ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ድማ፡ እቲ ምምሕዳር፡ ባዕሉ ብምድዋል ናይ ክታበት ቆጸራ ክሕብሮም እዩ።

ምምሕዳር ኦፕሳላ ብወገና፡ ንኹሎም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት’ቲ ምምሕዳር፡ ባዕሉ ደዊሉ፡ ናይ ክታበት ቆጸራ ክሕብሮም እዩ። በዚ ድማ፡ ምምሕዳር ኦፕሳል፡ እታ እንኮ ምምሕዳር ንኹሎም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ቆጸራ ትሕዝ ኮይና ኣላ።

እዞም ሽማግለታት፡ መዓልቲ ቆጸራ ዝጥዕሞም እንተዘይኮይኑ፡ ብመንገዲ ቴሌፎን ክቕይርዎ ከምዝኽእሉ ውን ተፈሊጡ።

ክታበት ኮሮና ብነጻ ስለዝኾነ፡ መዓልቲ ቆጸራ ዘሕለፈ ሰብ፡ ዝኾነ ዓይነት መቕጻዕቲ ኣይክብየነሉን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com