Sunday , May 5 2024
The number of COVID-19 patients in need of hospital treatment continues to increase Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ልዕሊ 900 ሕሙማት ናይ ኮቪድ ኣብ ሆስፒታላት ይርከቡ

ኣብ ሆስፒታላት፡ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ብጽኑዕ ናይ ዝሓመሙ ቁጽሪ ሕሙማት ኣዝዩ ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልዕሊ 900 ዝኾኑ ብኮቪድ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ከምዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ።
ከም ሓደ ብሓሙስ ዝወጸ ናይ ስታቲስቲክስ ጸብጻብ እንድሕር ኮይኑ፡ ኣስታት 930 ሕሙማት ናይ ኮቪድ ኣብ ሆስፒታላት ሕክምና ይከታተሉ ምህላዎም ዝተሓበረ ኮይኑ እዚ ድማ፡ ካብቲ ብሮቡዕ ተመዝጊቡ ዝነበረ ብ100 ዝዛየደ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።  እዚ ኣሃዝ’ዚ፡ እቶም ኣብ እንዳ ውጹዓት ዝሕከሙሉ ክፍሊን ኣብ ካልኦትን ዘለው ሕሙማት ዘካተተ ቁጽሪ እዩ።
ከም ጸብጻብ መዝገብ ክፍሊ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ተሓከምቲ እንድሕር ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ 3 ዝነበረ ኣሃዝ ሕሙማት ኮቪድ ካብ’ቲ ዝለዓለ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ዝነበረ 121 ቁጽሪ ሕሙማት፡ ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ ልዕሊ 100 ጥራሕ ከምዝኾነ’ውን ክፍለጥ ተኻኢኩ’ሎ።
ከም ጸብጻብ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን (Health Agency of Sweden-FHM) እንድሕር ኮይኑ፡ ካብቶም ብረቡዕ ናብ ክፍሊ ውጹዓት ዝኸዱ ተሓከምቲ፡ እቶም 75 ሚእታዊ ዝኾኑ፡ ከምዘይተኸተቡ ተቓሊሑ’ሎ።
እቲ ብዝሒ ዘለዎ ኣሃዝ ናይ ኮቪድ ተሓከምቲ፡ ኣብቲ ስሩዕ ዓራት ተታሓዙ ዝሕከመሉ ክፍሊ እዮም ዝሕከሙ ዘለው። ከም ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ ናይ ስታቲስክስ እንድሕር ኮይኑ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ እዚ ቑጽሪ ናብ 822 ክብ ከምዝበለ SVT News ሓቢሩ’ሎ። እዚ ምስ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ  መዓልቲ ዝተመዝገበ ኣሃዝ ናይ 685 ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ልዑል ወሰኽ ከምዘርኣየ እዩ ዝሕብር።
ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 16 ምምሕዳራት፡ እቲ ኣሃዝ ናይ ዓራት ሒዞም ዝሕከሙ ቁጽሪ፡ ብማእከላይ ገምጋም ክርአ ከሎ፡ ኣብ መዓልቲ ናይ 7 ወሰኽ ከመዘሎ ይሕብር። ኣብተን ዳላርና፣የቭለቦሪ፣ ካልማር፣ ኖርቦተንን ኦስተርጎትላንድን ኣብ ዝባሃላ 5 ምምሕዳራት ጥራሕ ዝተወሰነ ምንካይ ከምዝተመዝገበ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
እቲ ናይዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ጽዑቕ ናይ ሓለዋ ጥዕና ኩነታት፡ ኣብ 8 ምምሕዳራት ጸቕጢ ብምስዓቡ እተን ሆስፒታላት፡ ናብ The ‘staff mode’ ዝባሃል ኣሰራርሓ ክኣትዉ ከምዘገደዶም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
እተን ምምሕዳራት ኣበየናይ መዓልቲ ዘብጻብ ከምዝሰዳ መሰረት ብምግባር፡ ማዓልታዊ ኣሃዝ ናይ ውጹዓት ሕሙማት ብኣዝዩ ንእሽተይ ዝኾነ ቑጽሪ ክቕንስ ከምዝኽእል ተሓቢሩ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com