Wednesday , May 1 2024
Foto: Henrik Montgomery/TT

ሎሚ መዓልቲ ሽወደን ኣዋጅ ምክልኻል እንስሳ ንምትግባር ተላዒላ።

እዚ ኣዋጅ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ከም ሓድሽ ሕጊ ተኣሚሙ ዝጸንሐ እዩ፡ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ድሙን ካልኦት ዘቤታዊ እንስሳን ምድርባይ ዝኽልክል ኮይኑ ወነንቲ እዞም እን ስሳታት ፍቓድ ብቕዓት ምውናን ክህልዎም ክግበር እዩ።

ነዚ እማመ ሓድሽ ሕጊ ዓሚ ክቐርብ ዝገበሩ ሚኒስተር ገጠራዊ ጒዳያት ነበር Sven Erik Boeckt ከምኡ’ውን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር Isabella Lovin እዮም።

ንሳቶም ብዛዕባ ዕላማ እማመኦም እንክገልጹ” መፍረ ምህርቲ ሓረስቶት ሽወደን ብዘይሃሲ ኣገባብ ድሕነት እንስሳታት ንምምሕያሽ ብምባል ኢና” ይብሉ።

ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ግፍዒን ገበንን ዝፍጽሙ ክኣ ክቕጽዑ እዮም ይብል እዚ ሓድሽ ሕጊ። ኣብ ሽወደን ካብ 100 ሽሕ ክሳብ 150 ሽሕ ዝኾና ደማሙን ካልኦት እንስሳታትን ብዋናታቶም ከም ዝስጐጒ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com